‘ምግህሳ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ኣውራ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን’ዩ።’ ሸይላ ኪታሩት

ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ቀንዲ ጠንቒ ስደት ኤርትራውያን’ዩ ክትብል ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክትከታተል ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ሸይላ ኪታሩት ገሊጻ።

 

ንሳ ነዚ ዝገለጸት፣ ብሓሙስ 24 ጥቕምቲ ናብ ሓፈሽእዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራ ሃገራት ጸብጻባ ድሕሪ ምቅራብ፣ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣ ዋዕላ’ዩ።

እታ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት ክኢላ ምክትታል ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት፣ ናብቲ ውድብ ኣብ ዘቕረብቶ ጸብጻብ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 10፣ ዓመታት ተኵስካ ቕተል ንዝብል ፖሊስ መንግስቲ ኤርትራ ጥሒሶም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ዝተሰዱ ኤርትራውያን ቁጽሪ ልዕሊ 300 ሽሕ ከምዝበጽሕ ኣፍሊጣ።

ንጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ብምጥቃስ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ካብ 200 ክሳብ 3000 ሽሕ ኤርትራውያን ሃገሮም ራሕሪሖም ይስደዱ ከምዘለው ዝሓበረት ሸይላ ኪታሩር፣ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ከየብቕዐ ዋሕዚ ስደተ ኤርትራውያን ክቕጽል ምዃኑ ኣስሚራትሉ።
እቶም ኣብ 3 ትቕምቲ ኣብ ላምፔዱሳ ጥሒሎም ዝሞቱ ኤርትራውያን’ውን ካብዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርናን ዝሃድሙ ዝነበሩ’ዮም ክትብል ጠቒሳ።

ነቲ ጸብጻብ ዝሰምዐ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ድማ፣ ንመግለጺ እታ ብውድብ ሕቡራ ሃገራት ዝተመዘዘት ክኢላ ምክትታል ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ፖለቲካዊ ዕላማ ዝተጎልበበን ሓቕነት ዘይብሉን’ዩ ክብል ነጺግዎ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0