ኣብ ቦስቶን ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሕን ደሞርስያዊ ለውጥን ዝኾኑ ኤርትራይውን፣ ነቲ ብደገፍቲ ህግደፍ ዝተኻየደ ናይ ሳዕስዒትን ጓይላን ምሸት ኮኒኖም

ኣብ ቦስቶን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ነቲ ብደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ፓርክ ፕላዛ ሆቴል ዘከይድዎ ዝነበሩ ናይ ጓይላን ሳዕስዒትን ምሸት ኮኒኖም።

 

እቶም ኤርትራውያን፣ ኣብ ቅድሚ’ቲ ሆቴል ብምትእኽኻብ ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ’ውን፣ ኣብ ላምፐኢዱሳ ጥሒሎም ዝሞቱ ኣማኢት ኤርትራውያን ግቡእ ስነ ስርዓት ቀብሪ ከይረኸቡ፣ ደገፍቲ ህግደፍ ነበርቲ ቦስታን ድማ ክስዕስዑን ክልሃዩን ክሓድሩ ናይ ብሓቒ ስሱዓትን ውልቓውነ ዘጥቕዖምን’ዮም ክብሉ ወቒሶሞም።

እቶም ደገፍቲ ህግደፍ ዘካየድዎ ለይታዊ ትልሂት ንመንግስቲ ኤርትራ ገንዘብ ንምውጻእ ዝዓለመ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ድሕሪ’ቲ ብ 3 ጥቕምቲ ኣብ ላምፐኢዱሳ ዘጋጠመ ህይወት ኣስታት 350 ኤርትራውያን ዝሃለቕሉ ዘሕዝን ፍጻሜ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ሓዘን እንሃለወ፣ ህግደፍ ኣብ ሳዋ፣ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣትላንታን ቦስቶንን ብሰበ ስልጣንን ደረፍትን ዝተዓጀበ ጓይላን ሳዕስዒትን ኣካይዱ ኣሎ።

ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝርከቡ ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስያዊ ለውጥን ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ኣብ ዘዝርከብሉ ከተማታት እናተኣኻኸቡ ንግዳያት ባሕሪ ላምፔዱሳ ሽምዓ ብምውላዕን ናይ ሕልና ጸሎት ብምዕራግን ክዝክርዎም እንከለዉ፣ ደገፍቲ ህግደፍ ድማ ጓይላታትን ሳዕስዒትን ክውድቡ ይርኣዩ’ለዉ።
====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0