ምውሓስ ጸጥታ ሱዳን፣ ኣካል ሃገራዊ ድሕነትና’ዩ ክብል ፕረዚደንት ግብጺ ገሊጹ

ምውሓስ ጸጥታ ሱዳን፣ ኣካል ሃገራዊ ድሕነትና’ዩ ክብል ፕረዚደንት ግብጺ ገሊጹ

Radio Erena: 07 December 2019

MurQani in Egypt

ብቀዳማይ ተሓጋጋዚ ፕረዚደንት መሓመድ ኣል ሓሰን ኣል ሙርቓኒ ዝምራሕ ላዕልውዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ናብ ግብጺ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ዕላማ ‘ቲ ብሰንበት 06 ጥሪ ዝተኻየደ ዑደት ብንጹር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ብዛዕባ’ቲ ንመንግስቲ ሱዳን ገጢውሞ ዘሎ ብድሆታትን መርገጺ መንግስቲ ግብጺ ንምንጻር ዝዓለመ’ዩ ይብሃል።

እቲ ልኡኽ ምስ ፕርረዚደንት ገብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ስለያን ተዘራሪቡ።

ግብጺ፣ ምርግጋእን ምውሓስ ጸጥታን ሱዳን፣ ከም ኣካል ሃገራዊ ድሕነታ ከምእትጥምቶ ፕረዚደንት ግብጺ ንልኡኽ ሱዳን ከምዘረጋገጸሉ ኣፈኛ እቲ ፕረዚደንት ባሳም ራዲ ጠቒሱ።

ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ካብ ዝተጎሃሃር ኣብዚ ናይ ኣስታት ሓደ ወርሒ ግዜ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሓለፊ ጸጥታን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ዝተመርሑ ልኡኻት መንግስቲ ግብጺ ናብ ሱዳን በጺሖም ኣለዉ።

ፕረዚደንት በሺር ካብ ስልጣን ክእለ ኣብ ዝጽውዕ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን፣ መንግስቲ ግብጺ ኣብ ጎኒ እቲ ፕረዚደንት ከምዘሎ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

መንግስታት ሱዳንን ግብጽን ጽዑቕ ናይ ምትሕግጋዝ ርክባት ዘካይዱ ዘለዉ፣ ግብጺ ነቲ ፕረዚደንት በሺር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ ህዝባዊ ናዕቢ፣ ነዳዲ ከይትውስኸሉ ካብ ወገን ፕረዚደንት በሽር ንዘሎ ስግኣት ንምህዳእ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0