ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ፣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ተካይድ ኣላ

Radio Erena: 29 March 2023

ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ፣ ካማላ ሃሪስ እትመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት የካይድ ኣሎ።

ብ26 መጋቢት ብጋና ዝፈለመት ካማላ ሃሪስ፣ ዑደታ ናብ ታንዛንያን ዛምብያን’ዩ ቀጺሉ።

ዕላማ ዑደት እታ ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ኣመሪካ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ወፍሪ፣ ምስራዝ ዕዳን ካልእ ምስ ቁጠባን ፖለቲካ ዝተተሓሓዘ መደባት ዘተኮረ ምዃኑ ቤት ጽሕፈታ ኣነጺሩ።

ሩስያን ቻይናን ኣብ ኣፍሪቃ ክፈጥርዎ ዝኽእሉ ናይ ቁጠባ፣ ፖለቲካውን ወትሃደራውን ጽልዋታት ዘስግኣ ኣመሪካ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ንራብዓይ እዋና’ያ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናታ ናብዛ ኣህጉር ልኢኻ ዘላ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2023 ጥራይ፣ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኣ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ጸሓፊት ክፍሊ ግምጃ ኣመሪካ፣ ዣነት የለንን ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ኣህገራት፣ ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድን፣ ናብ ልዕሊ ሸሞንተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ኣካይዶም።

ምምሕዳር ባይደን፣ ካብ 13 ክሳብ 15 ታሕሳስ 2022፣ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝወደቦ፣ መራሕቲ ኤርትራ ናይ እትርከበን ሒደት ሃገራት ዝገለለ ዋዕላ ኣመሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ልዕሊ 40 መራሕቲ ናይዛ ኣህጉር ከምዝተረኽቡ ኣይርሳዕን።

ብኣንጻር እዚ ብኣመሪካ ዝተገለላ ኤርትራ ምስ እትርከበን ሃገራት ዝምድና ንምሕያል ዝጽዕር ዘሎ ፕረዚደንት ሩስያ፣ ቭላድሚር ፑቲን ብወገኑ፣ ኣብቲ ኣብ ሓምለ 2023 ከካይዶ ወጢንዎ ዘሎ ዋዕላ ሩስያን ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ተመሳሳሊ ብዝሒ ዘለዎም መራሕቲ ክሳተፉ ዕድመ የቕርብ ኣሎ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0