ምንጻል ደቡብ የመን ዝኣወጀ መሰጋገሪ ባይቶ፣ ካብ ስምምዕ ሪያድ ስሒቡ

Radio Erena: 27 August 2020

ምንጻል ደቡብ የመን ዝኣወጀ መሰጋገሪ ባይቶ ዝተሰምየ ዕጡቕ ጉጅለ፣ ካብቲ ብስዑዲ ዓረብ ተማእኪሉ ምስ መንግስቲ የመን ዝተኻየደ ስምምዕ ከምዝሰሓበ ኣፍሊጡ።

እቲ ጉጅለ፣ ካብ ስምምዕ ሪያድ ዝሰሓበሉ ምኽንያት፣ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር መሻርኽቲ ናይቲ ስምምዕ ምዃኑ ብመንገዲ ምክትል ፕረዚደንቱ ገሊጹ።

እንተኾነ ዝርዝር ናይቲ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ዝበሎ ኣየነጸረን።

ንከተማ ዓደንን ደሴት ሰኮትራን ብምጥቕላል፣ ምንጻል ደቡብ የመን ዝኣወጀ መሰጋገሪ ባይቶ ደቡብ፣ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝድገፍ’ዩ ዝንገረሉ።

ብስዑዲ ዓረብ ዝድግፍ መንግስቲ የመን ድማ ንምንጻል ደቡብ የመን ብምቅዋም፣ ነቲ ጉጅለን ደጋፊቱ ሕቡራት ኢማራት ነቒፉ።

እቲ ንየመን፣ ናብ ዝበኣሰን ሓደገኛን ምክፍፋል ከምርሓ ዝኽእል ምንጻል ደቡብ፣ ብምምቕራሕ ስልጣን ንምፍትሑ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ንክልቲኦም ወገናት ከቐራረቦምን ናብ ስምምዕ ከብጽሖም ክኢሉ’ዩ።

እንተኾነ፣ መሰጋገሪ ባይቶ ደቡብ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ካብቲ ስምምዕ ስሒቡ ኣሎ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0