ኣፍሪቃ፣ ካብ ፖልዮ ናጻ ኮይና ተባሂላ

Radio Erena: 27 August 2020

ኣፍሪቃ፣ ካብ ፖልዮ ናጻ ምዃና ተገሊጹ።

እዛ ኣህጉር፣ ን10ታት ዓመታት፣ ንህጽናት ስግኣት ስንክልና ክይኑ ዝጸንሐ፣ ‘ፖልዮ’ እናተባህለ ዝግለጽ ዋይልድ ፖልዮ ቫይረስ ናጻ ምዃና ናይ ኣፍሪቃ ዞባዊ ኮሚሽን ዝተባህለ ናጻ ኣካል’ዩ ኣረጋጊጽዎ።

እቲ ዜና ትማሊ 25 ነሓሰ ብወግዒ ድሕሪ ምቅልዑ፣ ውድብ ጥዕና ዓለም፣ “ኣዝያ እተሐጉስ መዓልቲ” ክብል ገሊጹዋ።

ፖልዮ ኣብ ዝበዝሓ ክፋል ዓለምና ጠቕሊሉ ካብ ዝጠፍእ ዓመታት ኣቑጺሩ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ግና ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ከጥቅዕ ጸኒሑ’ዩ።

ክታበት ፖልዮ ኣብ 1952 ክርከብ እኳ እንተኸኣለ፣ ናብ ኩሉ ክፋል ዓለምና ክባጻሕ ብዘይምኽኣሉ፣ ዓመታዊ 10ታት ኣሽሓት ብሰንኪ ዚ ኣካላት ዘልምስ ህዋስ ክጥቅዑ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ 1962 ድማ፣ ብኣፍ፣ ዝውሰድ ጠብታ ጸረ ፖልዮ ተኣታትዩ፣ ናብ ዝበዝሐ ክፋል ዓለምና ክዝርጋሕ ጀሚሩ።

እንተኾነ፣ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ፣ ውሕስነት ጥዕና ዜጋታታት ምሉእ ብምሉእ ከተረጋግጽ ዝኸኣለት ሃገር ብዘይምህላዋ፣ ኩሎም ህጻናት ግቡእ ምክታልን ስሩዕ ክታበታትን ክረኽቡ ኣይጸንሑን።

ሕቡራት ሃገራት ምስ መሻርኽቲ ብምዃን፣ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዘተኣታተዎ ናይ ‘ሸቶታት ሚለንየም’ ተልእኾ፣ ስሩዕ ክታበት ብምርካብ ሞትን ስንክልናን ህጻናት ምንካይ ዝብል’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣፍሪቃ ካብ ፖልዮ ናጻ ኮይና ምህላዋ ተገሊጹ እኳ እንተሎ፣ ንዝያዳ ንጹርነት ብውሕዱ ክልተ ዓመታት ምክትታል ክቕጽል ከምዘለዎ ክኢላታት ይጠቕሱ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0