ምንቅስቓስ ‘ይኣክል’ ብሰሚናራትን ኣስተምህሮታትን ይቕጽል

Radio Erena: 28 April 2019

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ‘ይኣክል’ ብምባል ዝጀመሩዎ ምንቅስቓስ ብሰፊሑ ይቕጽሉዎ ከምዘለዉ፣ ከካብ ቦትኡ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እዚ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ናብ ሬድዮ ኤረና ዝውሕዝ ዘሎ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፣ እቲ በብውልቂ ብቪድዮ ዝተሰነየ ናይ ይኣክል መልእኽቲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ በብጉጅለ፣ ብከተማታትን ሃገራትን እንዳተወደበ ብሰፊሑ ይቕጽል ከምዘሎ ዘርእይ’ዩ።

እቲ ብሰሚናራትን ኣስተምህሮታትን ዝካየድ ዘሎ ኣኼባታት፣ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን በብዘለዉዎ ሃገራት ተወዲቦም ወከልቶም ዝመርጹሉን ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንምትካል ዝገብሩዎ ቃልሲ ዘዕዙዙሉን ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ተሳተፍቲ ይገልጹ።

ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝርከቡ ኤርትራውያን ነዚ ብጥርኑፍ ዘመሓላልፉዎ ዘለዉ ናይ ‘ይኣክል’ መልእኽቲ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝርከብ ህዝቢ ዓቢ ፍናን ሂቡዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓበሬታ የመልክቱ።

መንግስቲ ኤርትራ እዚ ብውሽጥን ብደገን ብጥርኑፍ ዝካየደሉ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ብድሆታት ኣብ ሻቕሎት ኣእትዩዎ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ መዓልቲ ጸሎት ዓርቢ ስቕለት፣ ኣብ ቤተክርስቲያናት ዝተኣኻኸበ ህዝቢ ናዕቢ ከይፈጥር ዝሰገአ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሓያሎ ኣባላት ጸጥታን ሰራዊትን ኣዋፊሩ ከምዝቐነየ ብሬድዮ ኤረና ምቅልሑ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0