ምብራቕ ኣፍርቃ፣ ሓድሽ ማዕበል ወራር ዕስለ ኣንበጣ የንጸላልዎ

Radio Erena: 14 April 2020

ካብ መወዳእታ ወርሒ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ከጥቅዕ ዝጀመረ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ’ውን ሓድሽ ማዕበል ወራር ጀሚሩ ምህላዉ ውድብ መግብን ሕርሻን ኣጠንቂቑ።

ኣብቲ ዞባ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብናይ በረኻ ዝፍለጥ ዕስለ ኣንበጣ ንኽፋረ ዝዕድም ኩነታት ኣየር ብምህላዉን፣ ህዝቢታት ድማ ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ኣብ ውሸባን ስግኣትን ስለዝርከቡ፣ እቲ ወራር ካብ ዝሓለፈ እዋናት ክሕይል ከምዝኽእል’ዩ እቲ ውድብ ዘጠንቅቕ።

ዛጊት ልዕሊ 240 ሽሕ ሄክታር ልሙዕ መሬት ኣብሪሱ ዘሎን ብሰንኪ እብ ዘራእቲን ሕርሻን ዝበጽሕ ጉድኣት ሚልዮናት ሰባት ናብ ሓደጋ ጥሜት ኣቃሊዑን ዝርከብን ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ቅልጡፍ ስጉምቲ እንተዘይተወሲድሉ፣ ብዝሑ ካብ ናይ ዝሓለፈ ብ20 ዕጽፊ ክዛይድ ከምዝኽእል’ዩ ተገሚቱ።

ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ጅቡቲ፣ ኬንያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳን ታንዛንያን ዝርከብአን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ እኳ እንተተራእየ፣ ብዝያዳ ጉድኣት ዘውረደለን ሃገራት ግና ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን’የን።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0