ምስ ኤርትራ እትመሳሰል ሰሜን ኮርያ፣  መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ጥራይ ዝሳተፎ ምርጫ ክካይድ’ዩ

ምስ ኤርትራ እትመሳሰል ሰሜን ኮርያ፣ መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ጥራይ ዝሳተፎ ምርጫ ክካይድ’ዩ

Radio Erena: March 5, 2014

kim

ኣብ ሰሜን ኮርያ፣ ካብ ኣብኡ ስልጣን ዝተረከበ ወዲ 31 ዓመት መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ጥራይ ዝወዳደሮ ሓፈሻ ምርጫ እታ ሃገር፣ ንሰንበት 9 መጋቢት ክካየድ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ኣብቲ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ሰሜን ኮርያ፣ ዜጋታት እታ ሃገር ብግዴታ ከድምጹ ኣብ ርእሲ ምውሳኑ፣ ኣብቲ ናይ ምርጫ ካርድ ስም ናይቲ ካብ ኣኦሓጉኡ ስልጣን እናተወራረሰ ዝበጽሖ ኪም ጂንግ ኡን ጥራይ’ዩ ክህሉ።

 

ዕላማ እቲ ተወዳደርቲ ዘይብሉ ምርጫ ነቲ ካብ ፖለቲካዊ ንቕሓት ተዓፊኑ ክነብር ዝተፈርደ ህዝቢ ሰሜን ኮርያ፣ መራሒኡ ባዕሉ ከምዝመረጸ ኣምሲልካ ንምጥባሩ ዝግበር ዘሎ ፖለቲካዊ ሃልኪ ጥራይ ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካዊ እቲ ዞባ ይጠቕሱ።

ሰሜን ኮርያ ከም ሃገራት ካብ እትቐውም ካብ 1953 ክሳብ እዚ እዋን እዚ፣ ኣቦን ድቀን ስልጣን እናተወራረሱ ሰለስተ መራሕቲ ጥራይ’ዮም ኣመሓዲሮማ።

ኣብዚ ናይ 61 ዓመት ዕድመ እታ ሃገር ድማ፣ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ውድባትን የብላን።

ህዝቢ ሰሜን ኮርያ ብምሉኡ፣ ኣባል እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዴሳዊ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ክኸውን’ዩ ዝግደድ።

ኣቦን ወዲን እናተቐባበሉ ነታ ሃገር ዘመሓደሩ መራሕቲ ሰሜን ኮርያ ደጋጊሞም ከምዝገልጽዎ፣ ኣብ ሰሜን ኮርያ ብዘይካ’ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዴሳዊ ሰልፊ እንተዘይኮይኑ ካልኦት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ወርሒ ጥራይ ከምዝምስረታ’ዮም ብንዕቀት ዝዛረቡ።

መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ሓደ ካብቶም ብሕሉፍ ዓፈና ዜጋታቱ ዝተፈልጠ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኮይኑ፣ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ኣርኣያ ናይዚ መንግስቲ’ዚ ዝኽተል ኤርትራ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ እናተባህለት ከምእትግለጽ ጌሩዋ’ዩ።

ደጋጊሙ ኣብ ኤርትራ ምርጫ ከምዘይካየድ ዝገልጽ ፕረዚደንት ኢሳይያስ’ውን፣ ብምኽንያት ፈንቕል ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ኣብ ኤርትራ ካብ ህዝባዊ ግንባር ወጻኢ ካልእ ሰልፊ ይኹን ውድብ ክመጽእ ዝሓስብ እንተለዎ ኣብ ወርሒ ይኺድ ክብል ምስ ናይ መራሕቲ ሰሜን ኮርያ ዝመሳሰል መግለጺ ከምዝሃበር ዝፍለጥ’ዩ።
=============================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0