ኣብ ከተማ ጁባ፣ ጽዕጹዕ ቶኽሲ ከምዝተኸፍተ ይግልጽ ኣሎ

ኣብ ከተማ ጁባ፣ ጽዕጹዕ ቶኽሲ ከምዝተኸፍተ ይግልጽ ኣሎ

Radio Erena: March 5, 2014

juba

መስርሕ ዘተ ንስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣ ደው ድሕሪ ምባሉ፣ ትማሊ ወጋሕታ ኣብ ርእሰ ከተማ ጁባ ኣብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከር ቶዅሲ ከምዝተኸፍተ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ቕድሚ ሰለስተ ወርሒ ኣብታ ከተማ ድሕሪ ዝፈለመ ግጭት፣ ናብ ካልኦት ከተማታት ልሒሙ፣ ነታ ሃገር ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ኣውዲቑዋ ይርከብ።

ይኹን’ምበር ጁባ ካብተን ካልኦት ከተማታት እታ ዝሓሸ ጸጥታ ዝጸንሓ ከተማ’ያ።

 

ንኣስታት ክልተ ወርሒ ክካየድ ዝጸንሐ መስርሕ ስምምዕ ሰላም ብዘይዝኾነ ፍረ ደው ከምዝበለ ትማሊ ድሕሪ ምግላጹ ግና፣ ብኡ ንብኡ ሓያሎ ዕጡቓት ቶዅሲ ከምዝከፈቱ ተሓቢሩ።

እቲ ኩነታት ክሳብ ዝረጋጋእ ድማ ኣብ ጁባ ዝርከቡ ኤርትራውያን ከካብ ቤቶም ከይወጹን ልዑል ጥንቓቐታት ክገብሩን እቶም ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት ኣተሓሳሲቦም።

ሃገራት ኢጋድ፣ እቲ ግጭት እናበኣሰ ክመጽእ ይክእል’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት ናብታ ሃገር ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ንምልኣኽ ምውሳነን ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ብዘይዝኾነ ጭቡጥ ፍረ ደው ስለዝበለ፣ ኣብታ ሃገር ፈኸም ዝብል ዘሎ ግጭት ናብ ጁባን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ከይልሕም፣ ካብ ዝብል ስግኣት’የን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሰራዊት ንምልኣኽ ወሲነን ዘለዋ።

እንተኾነ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ናብ ደቡብ ሱዳን ዘዋፍርኦ ሰራዊት፣ ብዝሑ ኣይተሓበረን።

ናብ ደቡብ ሱዳን ሰራዊተን ንምልኣኽ ፍቓደኛታት ኮይነን ካብ ዘለዋ ሃገራት ኢጋድ፣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ርዋንዳን ብሩንዲን’የ።

ኡጋንዳ ኣቐዲማ ንሰራዊት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ሰራዊታ ንምድጋፍ ልኢኻ እኳ እንተነበረት፣ ኣብዚ ኣብ ምዕቃብ ሰላም ዝዋፈር ሰራዊት ግና ሰራዊታ ምልኣኽ ቕርብቲ ምዃናን ዘይምዃኑን ኣይተነጸረን።

ኤርትራን ሱዳንን’ውን ንመንግስቲ ሳልቫኪር ብወግዒ ከምዝድግፋ ምግላጸን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ናብት ሃገር ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክልኣኽ ንዝብል ብኢጋድ ዝቐረበ እማመ ግና ርእይቶታተን ኣይሃባሉን።

===============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0