ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ክልል ትግራይ ተዋፊሩ ዝጸንሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ስሒቡ

ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ክልል ትግራይ ተዋፊሩ ዝጸንሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ ስሒቡ

Radio Erena: 05 December 2018

 Ethiopian army withdraws from Eritrea borderምስ ኤርትር ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ክልል ትግራይ ተዋፊሩ ዝጸንሐ ሓደ ክፍለሰራዊት ከምዝተሳሕበ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እቲ ምስ ምሉእ ከበድቲ ኣጽዋሩ፣ ኣብ መንጎ ሸራሮን ሽረ እንዳስላሴን ካብ እትርከብ ከባቢ ዓዲ ዳዕሮ ስሒቡ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ዝተንቀሳቀሰሉ ዕላማ እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ኣብ ካልእ ክልላት እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ክልላት ሶማልን፣ ቤንሻንጉል ጉምዝን ኦሮሞን ተጎሃሂሩ ንዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ንምርግጋእ ይዋፈር ኣሎ ዝብል ጽንጽንታ ከምዘሎ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሰላም ካብ ዝመለሳ፣ ካብቲ ኣብ ዶባተን ዓስኪሩ ዝጸንሐ ክፍላተ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝስሕብ ዘሎ እዚ ካልኣይ’ዩ።

ይኹን’ምበር ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብታ ናይ ኤርትራ ምዃና ብኮሚሽን ዶብ ዝተረጋገጸ፣ ባድመን ከባቢኣን ዛጊት ኣይሰሓበን።

ክልቲኤን ሃገራት ናብ ሰላም ተመሊሰን ዶባተን ንህዝቢ ክፉት ጌረን እኳ እንተለዋ፣ ብዛዕባ’ታ ኣውራ መበገሲ ኵናት ዝነበረት ባደመ ግና ዝኾነ ዓይነት ዝርርብ ከምዘይተጀመረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ምሕባሩ ኣይርሳዕን።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኵናት ከምዘኽተመ ብምርግጋጽ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ስምምዕ ከምዝኸተሙ እኳ እንተገለጹ፣ ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ተዋፊሩ ዝርከብ ሰራዊት ብወግዒ ዝስሕበሉ ዕለት ግና ኣየነጸሩን።

ስእሊ፣-ኣርካይቭስ ኢንተርነት

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0