ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ከሰላ ዓሪዱ ዘሎ ሓይልታት ሚልሻ ናብቲ ናይ ቀደም ቦትኡ ክምለስ ዳግማይ ጻውዒት ቀሪቡ

ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ከሰላ ዓሪዱ ዘሎ ሓይልታት ሚልሻ ናብቲ ናይ ቀደም ቦትኡ ክምለስ ዳግማይ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena:25 March 2018

janjwdኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ከሰላ ዓሪዱ ዘሎ ሓይልታት ሚልሻ ናብቲ ናይ ቀደም ቦትኡ ክምለስ ህዝብን ምምሕዳርን ግዝኣት ከሰላ ዳግማይ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣቐዲሙ ብምልሻ ጃንጃዊድ ዝፍለጥ ዝነበረ ሓልታት ሚልሻ፣ መንግስቲ ሱዳን፣ ግብጺ ብኤርትራ ኣቢላ መጥቃዕቲ ከይትኸፍተሉ ንሓለዋ ዝተዋፈረ’ዩ ክብል እዩ ዝገልጾ።

እንተኾነ ኣመሓዳሪን ዓበይቲ ዓዲን ዞባ ከሰላ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ምብጻሕ ፕረዚደንት ኣልበሽር ናብ ግብጺን ህሉው ዲፕሎማስያዊ ሃዋሁ ክልቲኤን ሃገራትን፣ ወላሓንቲ ኣንፈት ናይ ኲናት ከምዘይብሉ ብምጥቃስ፣ መንግስቲ ሱዳን ካብ ህዝቢ ዞባ ከሰላ ዝመጾ ዘሎ ተቓውሞታት ንምዕጋት ዝተጠቕመሉ ሜላ’ዩ ክብሉ ገሊጾም።

እቲ ሓይልታት ሚልሻ ኣብ ህዝቢ ከሰላ ኣውሪዱዎ ዘሎ ራዕዲ ከቢድ ምዃኑ ዝጠቐሱ ነበርቲ’ቲ ከባቢ፣ ምቕታል ሰላማውያን ሰባት፣ ንብረት ምዝራፍን ካልእ ገበናትን ከም ናይ መዓልታዊ ስርሑ ተተሓሒዙዎ ከምዘሎ ይገልጹ።

ብሓሙስ 22 መጋቢት መራሒ ናይቲ ብ’ህጹጽ ናይ ጸጥታ ሓይሊ’ ተሰምዩ ዘሎ ምልሻ ናብ ከሰላ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ምኽንያት ብምግባር ኣመሓዳሪ ዞባ ከሰላ ምስ ሬድዮ ዳባንጋ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ እቲ ሰራዊት ምልሻ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብን ንብረትን ንምቁጽጻር ዝተዋፈረ’ዩ ዝብል መግለጺ መንግስቲ ሱዳን ሓቅነት የብሉን ድሕሪ ምባል፣ ዶብ ሱዳንን ኤርትራን ከም ቀደሙ በቲ ስሩዕ ሰራዊት ደኣምበር ብምልሻ ኣይኮነን ዝሕሎ ዘሎ ኢሉ።

ዓብደላ ሙሳ ዝተባህለ ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓዲ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ሰራዊት ምልሻ ኣብቲ ዞባ ካብ ዝዋፈር ኣትሒዙ ኣብዚ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ገዛ ገዛ እንዳኣተወ ህዝቢ ኣብ ምብስባስ፣ ንብረት ኣብ ምዝማትን ምቕታልን ጥራይ ተዋፊሩ ብምህላዉ፣ ኣብ ህዝቢ’ቲ ከባቢ ከቢድ ራዕዲ ፈጢሩ ከምዘሎ ገሊጹ።

ከምዝፍለጥ ምልሻ ጃንጃዊድ ኣብ ዶብ ሊብያን ሱዳንን ዓስኪሩሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፣ ኤርትራውያንን ካልኦት ዜጋታት ምብራቕ ኣፍሪቃን ናብ ሊብያ ንምስጋር ሓሊኖም ኣብ ዝተሓዙሉ እዋን፣ ጭካነ ብዝመልኦ ኣተሓሕዛን መግረፍትን የሳቕዮም ኔሩ’ዩ።

================================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0