ቴል ኣቪቭ፣ 10ታት ኣሽሓት ሰባት፣ ኣንጻር ምስጓግ ስደተኛታት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ቴል ኣቪቭ፣ 10ታት ኣሽሓት ሰባት፣ ኣንጻር ምስጓግ ስደተኛታት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 25 March 2018

Israel Demo 24

ኣስታት 30 ሽሕ ዝኾኑ እስራኤላውያንን ሓተቲ ዑቕባን፣ ኣንጻር እቲ መንግስቲ እስራኤል ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገራት ናይ ምስጓግ ፖሊስ ንምቅዋም፣ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ብቀዳም 24 መጋቢት፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ምሸት፣ ኣብ ከተማ ቴል ኣቪቭ፣ ኪካር ራቢን ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰልማዊ ሰልፊ፣ ነቲ ቅድሚ ሒጂ ዝተበገሰ ምስጓግ ስድተኛታት ደው ክብል ዝጽውዕ’ዩ።

ኣብቲ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብምትኳር ኣብ እስራኤል ካብ ዝተኻየዱ መደባት ብዓይነቱን ብዝሒ ተሳተፍቱን ናይ መጀመርያ ዝኾነ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ብዙሓት ኣባላት ፓርላማ ኢስራኤል፡ ሃብታም ወናኒ በዓል ጸጋ ዩኤል ለው፡ ካብ ምጽናት ዓሌት ኣይሁድ- ሆሎኮስት ዝደሓኑን ካልኦትን ኣገደስትን ጸለውትን ሰባት ተረኺቦም ኔሮም።

መንግስቲ እስራኤል ነቲ ካብ ወርሒ መጋቢት ኣትሒዙ ብግዴታ ከተተግብሮ ዝጀመረ፣ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ብግዴታ ናይ ምስጓግ ወይ ድማ ንዘይተወሰነ እዋን ኣብ ሳህሮኒም ምእሳር ዝብል ውሳኔ፣ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ተቓውሞ ድሕሪ ምግጣሙ፣ ንግዜኡ ኣደስኪልዎ ከምዘሎ’ዩ ተሓቢሩ።

ይኹን’ምበር እቲ መንግስቲ፣ ነቲ ናይ ምስጓግ መደብ ጠቕሊሉ ደው ከምዘየበሎን ነቶም መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝኾኑ ኣስታት 35 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ሃገሩ ከየውጽኦም ከምዘይቀስንን ብተደጋጋሚ’ዩ ዝገልጽ።

ነዚ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎ ናይ ምስጓግ ፖሊሲ መንግስቲ እስራኤል ንምቅዋም፣ ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ከተማ ቴልኣቪቭ ሰለማዊ ሰልፊ ክውድቡ እዚ ንኻልኣይ እዋኑ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0