ምስ ኤርትራን ብሩንዲን ክታበት ኮቪድ ክትሕሰም ዝጸንሐት ታንዛንያ፣ ድሕሪ ከቢድ ስግኣት ለበዳ፣ ሚልዮናት ዶዝ ኣዚዛ

Radio Erena: 26 July 2021

ምስ ኤርትራን ብሩንዲን ብሓባር፣ ክታበት ኮረና ቫይረስ ክትሕሰም ዝጸንሐት፣ ታንዛንያ፣ ከቢድ ስግኣት እቲ ለበዳ ድሕሪ ምንጽልላዋ፣ ሚልዮናት ዶዝ ኣዚዛ።

ብመንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝተኣዛዘ ኣስታት 400 ሚልዮን፣ ጀንሰን ኤንድ ጀንሰን ዝዓይነቱ ክታበት፣ ታንዛንያ፣ ሓንቲ ካብተን ብብዝሒ ክወሃበን ዝሓተታ ሃገራት ምዃና፣ ፍሉይ ልኡኽ ናይቲ ሕብረት፣ ስትራይቭ ማሲየዋ ኣረጋጊጹ።

ይኹን’ምበር እታ ሃገር ኣዚዛቶ ዘላ ብዝሒ ዶዝ ብንጹር ኣይጠቐሰን።

ንለበዳ ኮረና ቫይረስ ብሸለልትነት ሒዝዎ ምንባሩ ዝውቐስ ፕረዚደንት ጆን ማግፉሊ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ቫይረስ ዘስዓቦ ሕልኽላኻት ጥዕና ኣብ ወርሒ መጋቢት ከምዝሞተ ድሕሪ ምግላጹ፣ ቦትኡ ዝተረከበት ፕረዚደንት ሳምያ ሓሰን፣ እቲ ለበዳ ዕቱብ ምክትታል ክግበረሉ’ያ ወሲና።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ታንዛንያ፣ ብውድብ ጥዕና ዓለም፣ ኣብ ዝተማእከለ፣ ክታበተ ኮረና ቫይረስ ብናጻ ናይ ምብጻሕ መደብ ኮቫክስ፣ ክትጽንበር ክኢላ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ክታበት ክታበት ኮረና ቫይረስ ዘይጀመራ ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኤርትራን ብሩንዲን ጥራይ’የን።

ኣብ ኤርትራ፣ መጠነ መልከፍቲ ኮቪድን ብዝሒ ሞትን እናዛየደ ክመጽእ ይርአ እኳ እንተሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ክታበት ኮረና ቫይረስ ክጅምረሉ ዘይደለየ ምኽንያት ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ክሳብ 24 ሓምለ ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ኣብ ኤርትራ 6495 ሰባት ብኮረና ቫይረስ ከምዝተለኽፉን ሞት 33 ሰባት ድማ ከምዝመዝገበን ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ይኹን’ምበር ኣብ ኤርትራ ምስ ዘሎ ድሩት መርመራ ኮቪድን ኣገልግሎት ሕክምናን፣ በቲ ቫይረስ ናይ ዝልከፉ ዘለዉ ብዝሒ ሰባት ይኹን ሞት ብልክዕ ንምፍላጡ ኣጸጋሚ’ዩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0