ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ወትሃደራዊ ውዕል ዝሰረዘት ፈረንሳ፣ ብኣንጻሩ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወትሃደራዊ እገዳ ክትግብር ካብ ዝድግፋ ሃገራት ምዃና ተሓቢሩ

Radio Erena: 11 October 2021

ምስ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዳግመ-ምቛም ሓይሊ ባሕሪን ምሕዳስ ሓይሊ ኣየርን ዝርከቦ፣ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊ ስምምዓት ዝኸተመት ፈረንሳ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብኣንጻሩ፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወትሃደራዊ እገዳ ክትግበር ካብ ዝጸቕጣሉ ዘለዋ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ኮይና ከምዘላ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፣ ኣብ መጋቢት 2019 ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምርኻብ፣ ናይ ኣማኢት ሚልዮናት ወትሃደራዊ ስምምዓት ምኽታሞም ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ከይቀርብ ስለ ዝሓንገደን ናብ ትግራይ ድማ ሰብኣዊ ረዲኤት ከይኣቱን ስለዝዓንቀፈን፣ፈረንሳ ምስቲ መንግስቲ ዝነበራ ወትሃደራዊ ውዕል ደው ከምዘበለት፣ ኣብ 2 ሓምለ 2021 ብወግዒ ኣፍሊጣ’ያ።

ፈረንሳ፣ ምስ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ኖርወይ፣ ኣየርላንድን ኢስቶንያን ብምዃን፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ጥራይ ክልተ እዋን ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብምጽዋዕ፣ ኵናት ትግራይን ፈጢርዎ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ከምኡ ድማ ንምፍታሑ ዘሎ ተኽእሎታትን ዘትያ’ያ።
ኣብ ባይቶ ጸጥታ ቀዋሚ ኣባልነት፣ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ድማ ጸላዊ ቦታ ዘለዋ ፈረንሳ፣ ኵናት ትግራይ ብዘተ ከይፍታሕን ሰብኣዊ ረዲኤት ድማ ብዘይዕንቅፋት ናብ ህዝቢ ትግራይ ከይበጽሕን ሓንጊዱ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ጽኑዕ እገዳ ንኽትግበር ካብ ዝድግፋ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ’ያ።

ኣብ 2018 ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጻሉ እዋን ልዑል ተቐባልነት ዝነበሮ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ውሽጢ ስለስተ ዓመታት ጥራይ፣ ካብ ተሸላሚ ኖቤል፣ ናብ ናይ ኵናት እዋን መራሒ ተሰጋጊሩ፣ ናብ ተነጽሎን እገዳን ይግስግስ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0