ምስ ኡጋንዳን ርዋንዳን ኣብ ዘዳውብ ምብራቓዊ ኮንጎ ብዝተወልዐ ግጭት ልዕሊ 11 ሽሕ ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም

Radio Erena: 11 November 2021

ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ልዕሊ 11 ሽሕ ሰባት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከምዝተሰደዱ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ንኡጋንዳን ርዋንዳን ኣብ ዘዳውብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ሃገር ዳግም ዝተወልዐ ግጭት፣ ሰራዊት መንግስቲ ብM23 ዝፍለጡ ዕጡቓት ተታሒዘን ንዝነበራ ቁሸታት ንምቁጽጻር ኣብ ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ’ዩ ዳግም ተጎሃሂሩ።

ሰራዊት መንግስቲ ነተን ቁሸታት፣ ካብ 8 ሕዳር ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ቅጽጽሩ ከምዘእተወን ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ ኣብቲ ከባቢ ናይ ተዅሲ ምልውዋጥ ይስማዕ ከምዘሎ ምንጭታት ዜና ካብቲ ከባቢ ሓቢረን።

ኣብ ምብራቓ ኮንጎ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ዞባ ኪቩ ዝመደበሩ፣ ብምንቅስቓስ መጋቢት 23 ወይ M23 ዝፍለጥ ዕጡቕ ጉጅለ፣ ኣንጻር መንግስቲ ኮንጎ ዝቓለስ ኮይኑ፣ ብኡጋንዳን ርዋንዳ ከምዝድገፍ’ዩ ዝንገረሉ።

ዳግመ ውዳበ ብምክያድ ካብ 2012 ኣትሒዙ መጥቃዕታቱ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዘሓየለ M23፣ ኣብቲ ዓመት እቲ ርእሰ ከተማ ዞባ ኪቩ ንዝኾነት ጎማ ተቖጻጺሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ እቲ ጉጅለ ተደፊኡ ካብታ ሃገር ከምዝወጸ መንግስቲ ኮንጎ ኣብ 2013 ኣፍሊጡ።

ካብቲ እዋን’ቲ ንደሓር ደስኪሉ እኳ እንተነበረ፣ ጸጸኒሑ ካብ ርዋንዳን ኡጋንዳን እናተበገሰ መጥቃዕታት ከካይድ ከምዝጸንሐ መንግስቲ ኮንጎ ይውቐስ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0