‘ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም’ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ወቒሱ

Radio Erena: 11 November 2021

ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ዞባ ደቡብ ጎንደር፣ ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ወቒሱ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ፣ ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ፣ ናብ ከተማ ንፋስ መውጫ ኣብ ዝኣተዉሉ ብውሕዱ ን16 ደቂንስትዮ ከምዝዓመጹ ኣመልኪቱ።

እቲ ትካል ኣዘራሪበየን ካብ ዝበለ ደቂንስትዮ እተን 14 ብጉጅለ ከምዝተዓመጻ ጠቒሱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ሓይልታት ትግራይ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝምታን ምዕናውን ንብረትን ተዋፊሮም ክብል’ውን ገሊጹ።

ነቲ ብኣምነስት ኢንተርናሽል ዝቐረበ ወቐሳ ዝነጸገ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ እቲ ትካል ካብ ርሑቕ ብናይ ቪድዮ ርክብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ተኣማኒ ከምዘይኮነ ብምምልካት፣ ንፖለቲካዊ መኽሰብ ካብ ዝደልዩ ሰሰ ስልጣን ክልል ኣምሓራን ፈደራላዊ መንግስቲን ንዝኣከቦ ምስክርነት ከም ጸብጻብ ምቕራቡ ነቒፉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ሰለማውያን ሰባት ግዳያት ሞት፣ ምፍንቓል፣ ዓመጽን ካልእ ግፍዕታትትን ይኾኑ ምህላዎም ይፍለጥ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0