‘ምስ ትግራይ ዝደናገጹ ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ኣለዉ ዝበለት’ ወኪል እቲ ትካል ካብ መዝነታ ተኣልያ

Radio Erena: 14 October 2021

ምስ ትግራይ ዝደናገጹ ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት ኣለዉ ዝበለት፣ ወኪል ህዝባዊ ምወላ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ፣ ደንያ ጋይል ካብ ስልጣና ተሰጕጓ።

ሕቡራት ሃገራት፣ ብተመሳሳሊ መርገጺ ካብ ስልጣን ዝሰጎገን፣ ወከልቱ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ደንያ ጋይል ክልተ በጺሐን ኣለዋ።

ኣቐዲሙ’ውን ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተመዲባ ንዝነበረት ሓላፊት ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት (IOM)፣ ሞሪን ኣሸንግ፣ ‘ዘይተፈቕደላ ቃለ መጠይቕ ኣካይዳ’ ብዝብል ካብ መዝነታ ከምዝሰጎጓ፣ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

እዘን ክልተ ወክልቲ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሕቡራት ሃገራት፣ ምስ ሓይልታታት ትግራይ ዘይወገኑ ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት፣ ክንጸሉ ከምዝጸንሑ፣ መርገጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ዝድግፍ ማዕከን ዜና ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መጠይቕ ምግላጸን’ዩ ተመልኪቱ።

ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፣ ቃለመጠይቕ ናይዘን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበራ ወከልቱ፣ ነቲ ድሮ’ውን ናብ ትግራይ ረድኤት ምብጻሕ ኣጸጋሚ ኮይኑ ዘሎ ኩነታት ዘጋድድ’ዩ ብምባል፣ ከደስክለን ከምዝወሰነ ይገልጽ።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዘይካ’ቲ ገጢምዎ ዘሎ ከቢድ ሰብኣውን ቁጠባውን ቅልውላዋት፣ ግዳይ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ተነጽሎታት ይኸውን ምህላዉ’ዩ ዝውቐስ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ብኣንጻሩ፣ ዘይሻራዊ መርገጺ ክሕዙ ዝግብኦም ሸውዓተ ሓለፍቲ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ጣልቃ ብምእታው ብምኽሳስ፣ ካብ ሃገሩ ከምዝወጹ ጌሩ’ዩ።
==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0