ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፣ ንኬንያን ሶማልን ከሰሓሕባን ንዝጸንሐ ክሊ ማይ ዝሃቦ ብይን፣ ኬንያ ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 14 October 2021

ኣብ መንጎ ኬንያን ሶማልን ዝጸንሐ ምስሕሓብ ክሊ ማይ ክምርምር ዝጸንሐ፣ ኣብ ነዘርላንድስ፣ ከተማ ዘ ሄግ ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፣ ብሰሉስ 12 ጥቅምቲ ብይን ሂቡ።

እቲ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝተዋህበ ብይን፣ ኩሉ’ቲ ኬንያ ዘቕረበቶ እጀታ ብምንጻግ፣ እቲ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ሰፊሕ ክሊ ማይ ናይ ሶማል ምዃኑ ወሲኑ።

ይኹን’ምበር ኬንያ፣ ነቲ ብይን ከምዘይትቕበል ብምጥቃስ፣ ንኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ፣ ‘ኣሻራዊ’ ክትብል ወቒሳ።

ንኬንያን ሶማልን ዘሰሓሕብ ዘሎ፣ ኣስታት 100 ኪሎሜተር ትርብዒ ስፍሓት ዘለዎ፣ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝርከብ ክሊ ማይ፣ ብነዳዲን ባህራዊ ጋዝን ሃብታም ምዃኑ’ዩ ዝንገረሉ።

ኬንያ፣ ንኣስታት 2 ዓመታት ዝቐጸለ ሕጋዊ መስርሕ እናተኻየደ እንከሎ’ውን፣ ብዛዕባ እቲ ቤት ፍርዲን ድያኑታቱን ተቓውሞታት ተስምዕ ኔራ’ያ።

ብሰንኪ ምስሕሓብ ክሊ ማይ ዝጀመረ ወጥሪ ኬንያን ሶማልን፣ ክሳብ ምስሓብ ዲፕሎማሰኛታትን ዓሪጉ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ብፍላይ መንግስቲ ኬንያ ኣንጻር ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ንዝኾኑ ርእሰ ምምሕዳራትን ብምድጋፍ፣ ኣብ ውስጥእዊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሶማል ጣልቓ ኣትዩ ክብል መንግስቲ ሶማል ይኸስስ።

ካብዚ ዓመት’ዚ ኣትሒዘን ዝምድንአ ናብ ንቡር ክመልሳ ኣብ መስርሕ ዝጸንሓ ኬንያን ሶማልን፣ ብሰንኪ እዚ ብሰሉስ ዝተዋህበ ብይን፣ ናብ ዝበኣሰ ወጥሪ ከይምለሳ ተሰጊኡ ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0