ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቃረበሉ ዘሎ ግዜ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ብውሕዱ ሽዱሽተ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዓጽዩ ተባሂሉ

ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቃረበሉ ዘሎ ግዜ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ብውሕዱ ሽዱሽተ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዓጽዩ ተባሂሉ

Radio Erena: 10 November 2014

RSF

ምርጫ ፓርላማ ኢትዮጵያ እናተቓረበ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ ግዜ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ጋዜጠኛታትን ጎነጽን ምፍርራሕን ይጥቀም ምህላዉ፣ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ወቒሱ።

እቲ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ብውሕዱ ሽድሽተ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኢትዮጵያ ከምዝተዓጽዋ ብምጥቃስ ብሰንኪ’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጥቐሞ ዘሎ ጎነጽን ምፍርራሕን ከኣ ካብ ፈለማ ናይዚ ዓመት እዚ ኣትሒዙ ኣስታት 30 ጋዜጠኛታት ከምዝተሰዱ ኣመልኪቱ።

እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ጋዜጠኛታትን ዝወስዶ ዘሎ ናይ ምፍርራሕን ጎነጽን ስጉምታት፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 2005 ኣብ እዋን ምርጫ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ፍጻሜ፣ እቲ ዝኸበደ ምዃኑ’ውን ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

 

ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ምርጫ ኣባላት ፓርላማ ከተካይድ ምዃና ይግለጽ።

ኢትዮጵያ ኣብ ደረጃ ናጽነት ፕረስ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 143’ያ ትስራዕ።

======================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0