ኣብ ስደት ዘጋጥም ዘሎ ከርተት ኣውራ ክሕተተሉ ዝግባእ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ካሌ ዝርከቡ ኤርትራውያን ገሊጾም

ኣብ ስደት ዘጋጥም ዘሎ ከርተት ኣውራ ክሕተተሉ ዝግባእ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ካሌ ዝርከቡ ኤርትራውያን ገሊጾም

Radio Erena: 10 November 2014

Calais

ኣብ ፈቀዶ ሃገራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዝወርዶም ዘሎ በደልን ግፍዕታትን ኣውራ ክሕተተሉ ዝግባእ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ፈረንሳ ወደባዊት ከተማ ክሌ ዝርከቡ ኤርትራውያን ምስ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ዝርርብ ገሊጾም።

መብዛሕቶም እቶም ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ካሌ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ካብ ኤርትራ ዶብ ሰጊሮም ካብ ዝወጹላ ዕለት፣ ኣብ ፈቐዶ መዓስከራት፣ በረኻታት ሰሃራን ሲናይን፣ ሊብያ፣ እስራኤል፣ ማእከላይ ባሕሪ፣ ኢጣልያን ገልታዕታዕ ከምዝበሉ ብምጥቃስ ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር፣ ኣብ ፈረንሳ ከተማ ካሌ ይከላበቱ ምህላዎም ኣረዲኦም።

 

ኣብ ዓዲዃላ ተማሃርይ 11 ክፍሊ ዝነበረ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ናስር፣ ናብ ግዱድ ውትህድርና ናብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ንኸይወርድ፣ 2010 ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰገረ ብምጥቃስ፣ ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ’ውን ዝኾነ ተስፋ ስለዘይርኣየሉ፣ እንደገና ናብ ሱዳን ብምስጋር፣ ብሊብያ፣ ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቑ ኢጣልያ ድሕሪ ምእታዉ ሕጂ ከኣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ይፍትን ምህላዉ ሓቢሩ።

ናብ ካሌ ካብ ዝኣቱ ሓደ ወርሒ ጌሩ ከምዘሎ ድሕሪ ምጥቃስ ከኣ፣ ኣብዚ ሓደ ወርሒ ልዕሊ 30 ግዜ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ፈቲኑ ከምዘይሰለጦ ገሊጹ።

ናስር፣ ኣብ ናይ ጉዕዞ ስደቱ ካብ ዝርኣዮ ከርተት እቲ ዝኸበደ ዝበሎ፣ ከኣ ኣብ ሊብያ መስተን ሓሽሽን ዝሰተዩ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያንንን ኢትዮጵውያንን ደቂንስትዮ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ጾታዊ ዓመጽ ምዃኑ ኣስተንቲኑ።

ካብ ናቕፋ ዝመጸ ሓምድ ዝተባህለ ካልእ ኤርትራዊ መንእሰይ’ውን፣ ኣብ ካሌ ሓሙሽተ ወርሒ ጌሩ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ግዜ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ከምዝፈተነ ድሕሪ ምሕባር፣ ፖሊስ ፈረንሳ ኣብ ዝሓዝዎ ግዜ ጎነጽ እናተጠቐሙ ክሳብ ናብ ቤልጁም ዝሰጎግሉ ግዜ ከምዝነበረ ኣመልኪቱ።

ኣብ ሓልሓል መምህር ዝነበረ ስም ክዕቀበሉ ዝጠቐሰ ካልእ ኤርትራዊ መንእሰይ’ውን’ውን ናብ ካሌ ክሳብ ዝበጽሕ ሱዳን፣ ቱርኪ፣ ኣልባንያ፣ ሞንቴኔግሮ፣ ግሪኽን ኢጣልያን ዝርከብእን 11 ሃገራት ከምዘቋረጸ ብምጥቃስ፣ ምስዚ ሕጂ ኣብ ካሌ ዘለዎ ኩነታት ብምዝማድ ይኹን ኣብ ኤውሮጳ ክህልዎ ዝጽበዮ ናብራ፣ ኣብ ኤርትራ ምስ ስድርኡ ማሙቑ ክነብር ከምዝመርጽ ብምሕባር፣ ብሰንኪ እቲ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ፈጢርዎ ዘሎ ኩነታት ግና እዚ ኩሉ ከርተት ክርኢ ከምዝተገደደ ሓቢሩ።

ብ12 ግንቦት 2014 450 ስደተኛታት ሒዛ ካብ ዝጠሓለት ጃልባ ዝደሓነ ማሕሙድ ዝተባህለ ተወላዲ ፎሮ ዝኾነ ኤርትራዊ ብወገኑ’ውን ጠንቒ ስደትና ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ስለዝኾነ፣ ለውጢ እንተመጺኡ ኣብ ምድሪ ኤውሮጳ ዘጽንሕ ምኽንያት ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

ቅድሚ ናብ ስደት ከምርሕ ምውሳኑ’ውን ንሰለስተ ዓመታት ተኣሲሩ ምንባሩ ገሊጹ።

እቶም ናብቲ ቦታ ምስ ዝተጓዓዘ ጋዜጠኛ ሬድዮ ኤረና ዝርርብ ዘካየዱ ሓያሎ ኤርትራውን ነናቶም ተሞክሮታት ድሕሪ ምክፋል፣ ናይዚ ኩሉ ከርተትን ገልታዕታዕን ተሓተቲ፣ ዑቕባ ንምሕታት እንሓልፈን ዘለና ሃገራት ዘይኮና፣ ካብ ገዛ ዓድና ክንወጽእ ዘገደደ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ ክብሉ ደምዲሞም።

ፖሊስ ፈረንሳ ብፍላይ ኣብ ጎደናታት ካብ ዝተተኽላ ካሜራታት ኣብ ዝኽወልሉ ግዜ ኣብ ልዕሊኦም ብፍሊትን ካልእን ጎነጽ ከምዝጥቐሙ ዝግለጽ ኮይኑ፣ ፖሊስ ፈረንሳ በንጻሩ ኣብ ካሌ ዝርከቡ ስደተኛታት ብዙሕ ዘይሕጋዊ ተግባራት ይፍጽሙ ምህላዎም’ዮም ዝኸሱ።

‘ጣሻ’ ኢሎም ኣብ ዝጽውዕዎ፣ በግራብ ኣብ ዝተኸበ ከባቢታት ወደብ ካሌ ፋሕ ኢሎም ላብ ለገስቲ ብዝተረኽበ ቴንዳታት ተኺሎም ዝሓድሩ ዘለዎ ኣስታት 1500 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓያሎ ቀዝሕን በረድን ክክሸት ጀሚሩ ብምህላዎም ንህወይቶም ኣስጋኢ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ፈረንሳውያን ገበርቲ ሰናይ፣ ክዳንውቲ፣ ኮቦርታን መግብን ክልግስሎም ይርኣዩ’ዮም።

መንግስቲ ፈረንሳ’ውን ካብዚ ቀዝሕን ዛሕልን ንምድሓኖም ግዝያዊ መዕቖቢ ክሰርሓሎም ምዃኑ ዝሓለፈ ሰሙን እኳ እንተሓበረ ዛጊት ዝኾነ ዝተገብረሎም ነገረ የለን።

ካብዞም ኣብ ካሌ ዘለዎም 10ታት ደቂንስትዮ ዝርከብኦም ኣስታት 1500 ስደተኛታት መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵን እኳ እንተኾኑ፣ እቶም ኢትዮጵያን ዳርጋ ብምሉኦም ብስም ኤርትራውያን ዝተመዝገቡ ምዃኖም ናብቲ ቦታ ብኣካል ዝተጓዕዘ ጋዜጠኛ ሬድዮ ኤረና ከረጋግጽ ክኢሉ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0