ምርጫ ኢትዮጵያ ሰሙን ኣብ ዝተረፎ ግዜ፣ ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታታት ጸጥታዊ ጥንቃቐታት ክገብሩ  ጸዊዓ

ምርጫ ኢትዮጵያ ሰሙን ኣብ ዝተረፎ ግዜ፣ ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታታት ጸጥታዊ ጥንቃቐታት ክገብሩ ጸዊዓ

Radio Erena: 18 May 2015

Ethioele

ምርጫ ኢትዮጵያ ሓደ ሰሙን ጥራይ ኣብ ዝተረፈሉ ግዜ፣ ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ይኹኑ ብሕጂ ክገሹ መደብ ዘለዎም ዜጋታታ ልዑል ጸጥታዊ ጥንቃቐ ክገብሩ ተማሕጺና።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብ15 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ 24 ግንቦት ዝካየድ ተመዲቡ ምህላዉ ብምዝኽኻር፣ እቲ ንዜጋታት ኣመሪካ ዝወጸ መጠንቐቕታ ክሳብ 30 ሰነ 2015 ከምዝጸንሕ’ውን ኣፍሊጡ።

 

ብዘይካ’ዚውን እቲ ክፍሊ፣ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ዝኾነ ዲፕሎማሰኛ ኣመሪካ ይኹን ሰራሕተኛ ኤምባሲ፣ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብዝወሃብ ፍሉይ ናይ ይሕለፍ ፍቓድ እንተዘይኮይኑ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ናብ ዝኾነ ካልእ ቦታታት ከይንቀሳቐሱ ኣጠንቒቑ ኣሎ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራይ ኣስታት 1600 መድመጺ ነቑጣታት ተዳልዩ ከምዘሎ እዚ ናይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ መግለጺ እኳ እንተመልከተ፣ ብደረጃ ሃገር ዝሳተፉ ብዝሒ ኣድመጽቲ ዜጋታት እታ ሃገር ግና ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ውጽኢት ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ 22 ሰነ 2015 ብወግዒ ክንገር ትጽቢት ይግበር።

====================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0