ፈረንሳ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ መሊሳ

ፈረንሳ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ መሊሳ

Radio Erena: 18 May 2015

Frenchpol

ዋሕዚ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣመና ገኒንሉ ኣብ ዘሎ፣ ፈረንሳ ነቲ ምስ ኢጣልያ ዘዳውባ ከባቢታት ብጽኑዕ ክትዓጹ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ማኑኤል ቫልስ ገሊጹ።

ፈረንሳ፣ ነቲ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝተመጠነላ ብዝሒ ናይ ክትቕበሎም ዘለዋ ስደተኛታት ከምዝነጸገቶ’ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ በርናር ካሳኖቭን ካልኦት ሰበ ስልጣን ፖሊስን ተሰንዩ፣ ናብታ ስደተኛታት ካብ ኢጣልያ ብባቡር ዝሰግሩላ ናይ ፈረንሳ ከተማ ኒስ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፣ ፖሊስ ፈረንሳ ኣብ ባቡራትን ኣውቶቡሳትን ምስ ስደተኛታት ንዝገብርዎ ዘለዉ ሃድን ብኣካል ተዓዚቡ።

 ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ ማኑዌል ቫልስ ኣብታ ከተማ ድሕሪ ምብጽሑ፣ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ብድሆ ሕብረት ኤውሮጳ ኮይኑ ምህላዉ ብምጥቃስ፣ እቲ ሕብረት ነዚ ከም መፍትሒ ዘቕረቦ ስደተኛታት ናብ ኩለን ሃገራት ክመቃርሑ ዝብል ሓሳብ፣ ፈረንሳ ነቲ ዝተሰልዓላ ብዝሒ ከምዘይትቕበሎ ጠቒሱ።

ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ድሕሪ ምእታዎም ብመንገዲ ፈረንሳ ናብ ኩላን ሃገራት ክሰግሩ ንዝሃቀኑ ልዕሊ ሓደሽ ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ከተማ ኒስ ናይ ፈረንሳ ድሕሪ ምትሓዞም፣ ብኡ ንብኡ ናብ ኢጣልያ ከምዝተመለሰ’ውን ፖሊስ ፈረንሳ ገሊጹ።

10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ድሕሪ ምእታዎም፣ መብዛሕቶም ብመንገዲ ፈረንሳ ናብ ሃገራት ስካንዲናቭያን ብሪጣንያን ንምስጋር ከምዝህቅኑ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ድማ ኣስታት3 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ኢጣልያ ኣትዮም ከምዘለው ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ኣብ ዝገልጻሉ ዘለዋ እዋን፣ ፖሊስ ሃገራት ኤውሮጳ ብፍላይ ፖሊስ ፈረንሳን ጀርመንን ኣብ መዓርፎ ኣውቶቡሳትን ባቡራትን ጽኑዕ ምክትታል ይገብሩ ኣለዉ።

ኣሽሓት ካብዞም ናብ ኢጣልያ ዝኣተዉ ዘለዉ ስደተኛታት ብስም ኤርትራውያን ዝተመዝገቡ እኳ እንተኾኑ፣ ዳርጋ ፍርቆም ግና ኢትዮጵያውን ምዃኖም’ዩ ዝፍለጥ።

ብ8 ግንቦት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብሓይሊ ባሕሪ ጀርመን ድሒኖም ናብ ኢጣልያ ካብ ዝኣተዉ ኣስታት 300 ስደተኛታት እቶም 80 ዜጋታት ኤርትር ክኾኑ እንከለዉ እቶም ዝበዝሑ ግና ዜጋታት ኢትዮጵያ ምንባሮም ምስታ ጀልባ ካብ ዝነበሩ ኤርትራውያን ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።

እንተኾነ ናብ ኢጣልያ ድሕሪ ምእታዎም፣ ንቀይሕ መስቀልን ፖሊስ ኢጣልያን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ብምሉኦም እቶም ኢትዮጵያን ዜጋታት ኤርትራ ኢሎም ከምዝተመዝገቡ ገሊጾም።

ብዘይካ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ዜጋታት ሶርያ፣ ሶማል፣ ሱዳን፣ ናይጀርያን ጋናን’ውን ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ብብዝሒ ካብ ዝኣትዉ ዘለዉ ምዃኖም ጸብጻባት ካብታ ሃገር የመልክቱ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0