‘ምርጫ ምዕዋተይ ብቤት ፍርዲ ከረጋግጾ ድሉው እየ’ ዊልያም ሩቶ

Radio Erena: 21 August 2022
ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ኮይኑ ዝተመርጸ ዊልያም ሩቶ፣ ብዛዕባ ሕጋውነት ምዕዋቱ ዝምልከት ንዝቐርበሉ ብድሆታት ኩሉ ኣብ ቤት ፍርዲ ክምጉቶ ድልዉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ውጽኢት ምርጫ ኣብ ዝተነግረሉ ሒደት ሰዓታት ድሒሩ፣ ኣርባዕተ ካብቶም ሸውዓተ ኣባላት ኮሚሽን ምርጫ፣ ብኣቦ ወንበሮም ከምዝተገለሉ ድሕሪ ምግላጾም፣ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ከምዝኽእል፣ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ይገልጻ ኣለዋ።
ንሓሙሻይ ግዜ ተወዳዲሩ ዘይተዓወተ ብራይላ ኦዲንጋ ዝምራሕ ሰልፊ፣ ‘ብኣባላት ኮሚሽን ምርጫ’ታ ሃገር ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፣ ናብ ቤት ፍርዲ ብምውሳድ፣ ሕጋዊ መዕለቢ ክገብረሉ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ሓፈሻዊ ምርጫ ኬንያ፣ ናጻን ርትዓዊን ምንባሩ ብተዓዘብቲ ጉጅለታት ስለዝተመስከረ፣ ራይላ ኦዲንጋ ከቕርቦ ዝዳለወሉ ዘሎ ክሲ፣ እንታይ ምዃኑ ኣይተነጸረን።
እቶም ኣርባዕተ ኣባላት ኮሚሽን ምርጫ፣ ናይ መወዳእታ መስርሕ ምቑጻር ተኻዪዱ ተዓዋቲ ንምልላይ ሒደት ደቓይቕ ምስ ተረፎ፣ ኣቦ ወንበር ኣዋሲኑና ክብሉ እዮም ዝኸሱ ዘለዉ።
ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሕንፍሽፍሽ ክትምስክር ዝጸንሐት ኬንያ፣ ወዲ 55 ዓመት ዊልያም ሩቶ እንተዘይተዓዊቱ፣ ናዕቢ ክበጋገስ ተኽእሎ ኣሎ ተባሂሉ ተሰጊኡ እዩ ጸኒሑ።

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0