ብህግደፍ ዝተወደበ ፈስቲቫላት ከቢድ ብድሆታት ይገጥሞ’ሎ

Radio Erena: 21 August 2022

ብስርዓት ህግደፍ ተወዲቡ ዓመታዊ ክካየድ ዝጸንሐ ፈስቲቫላት ኤውሮጳን ኣመሪካን ካብ ደለይቲ ለውጢ ከቢድ ተቓውሞታት ይገጥሞ ኣሎ።
ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ፣ ሽወደን፣ ነዘርላንድስ፣ ጀርመንን ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ፈስቲቫል ደገፍቲ’ቲ ስርዓት፣ ካብ ደለይቲ ለውጢ ብዘጋጠሞ ተቓውሞታት፣ ክሰናኸልን ደው ክብልን ከምዝኸኣለ ከካብ ቦትኡ ዝበጽሓና ዜና ኣመልኪቱ።
ብፍላይ ኣብ ከተማ ጊሰን (ጀርመን) ፈስቲቫል ክካየደሉ ኣብ ዝተመደበ ቦታ መንእሰያት ብዝፈጠርዎ ሕንፍሽፍሽ፣ ፖሊስ’ታ ከተማ ነቲ በዓል ደው ከብሎ ከምዝተገደደ ተፈሊጡ።
ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ጀርመን፣ ኣብቲ ፍጻሜ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተገልጸ ሰባት ቆሲሎም ሕክምናዊ ረዲኤት ከምዝተገብረሎምን፣ ውሑዳት ሰባት’ውን ንግዚኡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወን ገሊጹ።
ኣካየድቲ’ቲ ፈስቲቫል ነቶም ንነዊሕ ሰዓታት ክጽበዩ ዘምሰዩ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፣ እቲ ውራይ ብሰንኪ ጸጥታዊ ኩነታት ክካየድ ከምዘይኮነን፣ ነናብ ቤቶም ክኸውዱን ሓቢሮም።
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝግበር ምትእኽኻባት ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፣ ብሰላማዊ ሰልፍታት ዝተደገፈ ተቓውሞታት ዝገጥሞ እኳ እንተኾነ፣ ከምዚ ዓይነት ጎነጽ ዝተሓወሶ ናዕቢ ግና ሳሕቲ እዩ ዝረአ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0