‘ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ኣይጠሓስናን’ ፈ.መ.ኢትዮጵያ

Radio Erena: 21 August 2022
‘ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግዚያዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ብምጥሓስ፣ ደብዳብ ኣካዪዱ’ ብምባል ህወሓት ንዘቕረቦ ክሲ፣ እቲ መንግስቲ ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡሉ።
ህወሓት፣ ‘መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ15 ነሓሰ፣ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ትግራይ ዝርከብ ከባቢታት ደደቢት፣ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሐ ናይ ከቢድ ብረት መጥቃዕቲ ኣካዪዱ’ ክብል እዩ ዝኸስስ።
እቲ ደብዳብ ከቢድ ብረት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ቅሩብ ከምዘይኮነ ዘነጽር እዩ ክብል ህወሓት ብተወሳኺ ይኸስስ።
ጸሓፊት ጉዳያት ፕረስ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ቢለነ ስዩም ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ነቲ ብህወሓት ዝቐረበ ክሲ ናይ ኣሉታ ምላሽ ድሕሪ ምሃብ፣ እቲ ተጻብኦ ደው ናይ ምባልን ዝርርብ ሰላምን ንኸይዕወት ህወሓት ዝምህዞ ዘሎ ሰንዓ’ዩ ኢላ።
ንሳ ብወሳኺ፣ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ንዘተ ሰላም ድሉው ኣሎ ኢላ። እንተኾነ እቲ ግዚያዊ ተኹሲ ናይ ምቁራጽ ስምምዕ ንሓዋሩ ዝኾነሉ ስምምዕ ብክልቲኦም ወገናት ክፍረም ኣለዎ ኢላ።
ህወሓት ብወገኑ ኣቐሚጡዎም ዘሎ ቅድመ ኩነታት ከይተተግበሩ፣ ዘተ ሰላም ክዕወት ከምዘይክእልን፣ ኣብ ክንዲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ከኣ ብፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ክካየድ እዩ ዝጠልብ ዘሎ።
ብፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቖመት ሸውዓተ ዝኣባላታ ተዛታዪት ጉጅለ፣ ሓድሽ እማመ ሰላም ሒዛ ቀሪባ እኳ እንተላ፣ ዘተ ቅድሚ ምጅማሩ፣ ተኹሲ ናይ ምቁራጽ ስምምዕ ክፍረም ዝጠልብ ስለዝርከቦ፣ ብወገን ህወሓት ተቐባልነት ኣይረኸበን ዘሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0