ምምሕዳር ከተማ ፓሪስ፣ ኣብ ጎደናታት ክሓድሩ ንዝጸንሑ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኣስታት 800 ስደተኛታት ናብ ግዝያዊ መዕቆቢ ኣግዒዙ

ምምሕዳር ከተማ ፓሪስ፣ ኣብ ጎደናታት ክሓድሩ ንዝጸንሑ ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኣስታት 800 ስደተኛታት ናብ ግዝያዊ መዕቆቢ ኣግዒዙ

Radio Erena: 18 September 2015

800 Paris

ምምሕዳር ከተማ ፓሪስ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ንዝርከብዎም ኣብ ጎደናታት ክሓድሩ ንዝጸንሑ ኣስታት 800 ስደተኛታት ናብ ግዝያዊ መዕቆቢ ኣግዒዝዎም።

እቶም ኣብ ማእከል ፓሪስን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ከተማ ኣብ ኣብ ዝርከብ መደበራት ባቡር ቴንዳታት ዘርጊሖም ክነብሩ ዝጸንሑ ስደተኛታት፣ ብምሉኦም ግዝያዊ መንበሪ ኣባይቲ እኳ እንተተዓደሎም፣ ኣብዚ ዝቕጽል መዓልታት’ውን ካብኦም ዝበዝሑ ክመጹ ስለዝኾኑ ኣብ ከቢድ ጸገም ኢና ወዲቕና ዘሎና ክብል ምክትል ከንቲባ ፓሪስ ማትያስ ቪሸራት ገሊጹ።

ፈረንሳ፣ ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት ህጹጽ ሓገዝ ዝኸውን 279 ሚልዮን ኤውሮ ባጀት ሰሊዓ እኳ እንተላ፣ ናብታ ሃገር ንዝውሕዙ ዘለዉ ኣሽሓት ስደተኛታት እኹል መዕቖቢ ንምርካብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ይዝረበሉ ኣሎ።

 

ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንስዋ ኦላንድ ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ኣብ ኤውሮጳ ዝኸበደ ጸገም ዋሕዚ ስደተኛታት ተኸሲቱ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ ፈረንሳ ኣብዚ ክልተ ዓመት 24 ሽሕ ስደተኛታት ክትቕበል መዲባ ከምዘላ ኣፍሊጡ።

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ፈረንሳ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ክውስኽ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድሕሪ ናይ ሶርያውያን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዓሪጉ።

ብፍላይ ኣብ ኢጣልያ ነዊሕ ዓመታት ክቕመጡ ንዝጸንሑ ኤርትራውያን፣ ፈረንሳ መንበሪ ፍቓድ ክትህቦ ድሕሪ ምጅማራ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክንህር ይርአ ኣሎ።

ኣማኢት ዜጋታት ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ፈረንሳ ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ይሓቱ ምስ ምህላዎም፣ ነቲ ቁጽሪ ከምዘጋነኖ ሬድዮ ኤረና ከተረጋግጽ ክኢላ’ያ።

ይኹን’ምበር ኣማኢት ካብዞም ስደተኛታት ግዝያዊ መዕቆቢ ንምርካብ ከምዝሽገሩን ኣብ ጎደናታት ከተማ ባሪስ ቴንዳታት ብምዝርጋሕ ከምዝነሩን ይፍለጥ።

=================================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0