ምምሕዳር ባይደን፣ ንዝተበታተነ ህወሓት ዳግም ንምእካቡ ጣልቃ ይኣቱ ኣሎ ክብል መንግስቲ ኤርትራ ወቒሱ

Radio Erena: 08 June 2021

ኣመሪካ፣ ንህወሓት ትሕግዝ ኣላ ክብል መንግስቲ ኤርትራ ተቓዊሙ።

እቲ መንግስቲ፣ ብስም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝልኣኾ ናይ ተቓውሞ ደብዳቤ፣ ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብ ዞባና ምትእትታውን ተጻብኦን ብምፍጻም፣ ዘይምርግጋእን ግጭትን የዕርግ ከምዘሎ ወቒሱ።

ምምሕዳር ባይደን ዝገበሮ ዘሎ ምትእትታው፣ ንዝተበታተነ ህወሓት ዳግም ህይወት ንምዝራእ ዘንቐደ’ዩ ክብል’ውን እቲ ብሰኑይ 07 ሰነ ናብ ኢድ ኩሎም ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዝበጽሐ ደብዳቤ ገሊጹ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ መገሻ እገዳ ምንባራ ጌጋ ውሳነ’ዩ ዝበለ እቲ ደብዳቤ፣ እዚ’ውን መቐጸልታ ናይቲ ናይ ኣመሪካ ጣልቃ ምእታውን ተጻብኦን’ዩ ክብል ገሊጽዎ።

ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወጹን ናብ ህዝቢ ትግራይ ድማ ህጹጽ ረዲኤት ብዘይዕንቅፋት ክበጽሕን ኣትሪራ እትጽውዕ ዘላ ኣመሪካ፣ ነዚ ሸልል ኣብ ልዕሊ ዝብሉ ዘለዉ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተወሳኺ ስጉምታት ክትወስድ ምዃና’ያ ተጠንቅቕ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0