ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ወትሃደራት ሶማል፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ምስታፎም ሕቡራት ሃገራት ብመርትዖ ገሊጹ ክብላ ማዕከናት ዜና ሶማል ኣቃሊሐን

Radio Erena: 08 June 2021

ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ወትሃደራት ሶማል፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ምስታፎም ዘረጋግጽ መርትዖ ከምዘሎ፣ ንጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ሶማል ገሊጸን።

እዚ ብፍሉይ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቀሪቡ ዝብሃል ዘሎ መርትዕ፣ ንመንግስቲ ሶማል ኣብቲ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ትግራይ ፈጺሞሞ ዝብሃል ዘሎ ገበናት ኵናትን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብማዕረ ዘሕትቶ ከምዝኸውን፣ ሓደ ካብ ዓበይቲ መርበባት ዜና ሶማል ዝኾነ ጋሮወ ኦንላይን ጠቒሱ።

ኣዴታት ሶማል፣ ‘ሃለዋት ደቅና ኣፍልጡና’ ብምባል ድሕሪ ዘካየድኦ ተቓውሞ፣ ናብ ኤርትራ ንስልጠና ከምዝተላእኩ ክእመን ዝተገደደ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ግና ከምዘይተሳተፉ’ዩ ዝገልጽ።

መንግስቲ ሶማል፣ ናብ ኤርትራ ንስልጠና ዝልኣኾም ብዝሒ ወትሃደራት እኳ እንተዘይገለጸ፣ ክሳብ 7 ሽሕ ክበጽሑ ከምዝኽእሉ ምንጭታት ሶማል የመልክቱ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0