ማ.ሪ.ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ዕሱባት ሩስያ እገዳ ጌሩ

Radio Erena: 22 December 2021

ቆንስል ሚኒስትራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ኣብ ልዕሊ ዝነጥፍ ዘሎ ዋንገር ግሩፕ (Wanger Group) ናይ ዕሱባት ሩስያውያን ጉጅለ ዝተፈላለየ እገዳታት ኣንቢሩ።

‘ዋንገር ግሩፕ’ ናይ ብሕቲ ትካል ኮይኑ ኣብ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ተኸፊሎም ዝሰርሑ ዕሱባት ወተሃደራት ሩስያ ኣዋፊሩ ዘሎ ጉጅለ እዩ።

እቲ ጉጅሌ ዕሱባት ንፕረዚደንት ‘ፋውስቲን ኣርቻንጀ ቶኦደራ’ ንምሕጋዝ ኣብ ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ዝኣተወ ኮይኑ ምስ ወተሃደራት እታ ሃገር ብምኳን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባትን ተቓወምቲ ወገናትን ሰብኣዊ መሰል ዝገፍፍ ግፍዒ ከምዝፈጸመ ክኽሰስ ጸኒሑ።

ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉጅለ ወተሃደራዊ ዕሱብ ‘ዋንገር ግሩፕ’ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፈጸሞ በደላት፥ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስርጣይ፡ ዝምታን ቅትለትን ካልእን ከምዘጠቓልል፡ ኣብ 2020 ጥራይ ልዕሊ 500 ጥርዓናት በደል ከምዝተመዝገበ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ‘ዋንገር ግሩፕ’ ናይ ርእሰ-ማል ምድስካል ማዕቀብ ክገብር እንከሎ ኣባላት እቲ ጉጅለ ኣብ 27 ሃገራት ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ከይኣትዉ ኣጊዱ ኣሎ።

ሕብረት ኤውሮጳ ብተወሳኺ ንሰራዊት ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ዝህቦ ዝነበረ ስልጠና ደው ብምባል ነታ ሃገር ዝገብረላ ዝነበረ ቁጠባዊ ሓገዝ ሰሪዙ።

ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ፍራንስዋ ቦዚዘ ኣብ 2013 ብዕጡቓት ሓይልታት ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምዕላዉ ብውግእ ሓድሕድ ክትሕመስ ጸኒሓ። ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ‘ፋውስቲን ኣርቻንጀ ቶኦደራ’ ኣብ 2016 ብምርጫ’ኳ ናብ ስልጣን እንተደየበ ነቶም ዕጡቓት ሓይልታት ክስዕሮም ኣይከኣለን።

እቲ ፕረዚደንት ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ፈረንሳ’ኳ ኣብ ጎኑ እንተነበሩ ‘ዋንገር ግሩፕ’ ክከላኸሉሉ እዩ መሪጹ።

ጉጅለ ዕሱብ ‘ዋንገር ግሩፕ’ ኣብ ሃገራት ሊብያ፡ ሱዳን፡ ሞዛምቢክን ማሊን’ውን ኣባላት ከምዘለዉዎ ይሕበር።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0