ማዕከን ዜና ዘ ጋርድያን፣ ኣብ ኤርትራ ብምትኳር ንሰለስተ ተኸታተቲ መዓልታት ፍሉይ መደብ የቕርብ ኣሎ

ማዕከን ዜና ዘ ጋርድያን፣ ኣብ ኤርትራ ብምትኳር ንሰለስተ ተኸታተቲ መዓልታት ፍሉይ መደብ የቕርብ ኣሎ

Radio Erena: 19 August 2015

Gur

ማዕከን ዜና ዘ ጋርድያን፣ ካብ 17 ነሓሰ ኣትሒዙ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘተርኩር ፍሉይ መደባት የዳሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ማዕከን ዜና፣ ኣብ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን፣ ስፖርታዊ፣ ባህላውን ካልእ ንጥፈታትን ኤርትራ ብምትኳር ዝተፈላለየ ኣርእስታት ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ከእንግድ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ካብ 17 ክሳብ 19 ነሓሰ ከኣ ፍሉይ ኣተኩሮ ሂቡ ይሰርሓሉ ምህላዉ ተገሊጹ።

ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ዘ ጋርድያን ብዘይካ’ዚ ኣብ፣ ኣብ ታሪኹ ንመጀመርያ እዋን ብቋንቋ ትግርኛ ዝተተርጎመ ጽሑፍ ብ17 ነሓሰ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣቐሪቡ ኣሎ።

ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ተሞክሮታቶም ከካፍሉ’ውን ክፉት ናይ ብሎግ መርበብ ኣዳልዩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ 1821 ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተመስረተት ጋዜጣ ዘ ጋርድያን ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝተፈላለየ ናይ ሜድያ መልክዓት ንሚልዮናት ህዝቢ ዓለም ሓበሬታ ካብ ዝምግብ ዓበይቲ ማዕከን ዜና’ዩ።

ኣብ ብሪጣንያ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ፣ “ማዕከን ዜና ዘ ጋርድያን ካብ ስነ ምግባር ሞያ ጋዜጠኝነት ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ፣ ሓቅነት ዘይብሉ ሓበሬታ እናነዝሐ ኣንጻር መንግስቲን ህዝብን ኤርትራ ይሰርሕ ኣሎ፣” ክብል ጥርዓን ምቕራቡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብሬድዮ ኤረና ምቅልዑ ኣይርሳዕን።
==========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0