ማሕበር ካቶሊካውያን ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምዝርራብ ተበግሶ ይወስድ

ማሕበር ካቶሊካውያን ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምዝርራብ ተበግሶ ይወስድ

Radio Erena: 22 November 2017

Catholics

ማሕበር ካቶሊካውያን ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምዝርራብ ተበግሶ ከምዝወሰደ ይግለጽ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት እቲ ዞባ ንዝተወከሉ 11 ጳጳሳት ናብ ኤርትራ ክኣትዎ ክፈቅድ እንከሎ፣ ንፕረዚደንት ናይቲ ዞባዊ ማሕበርን ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያን ካርዲናል ብርሃነየሱስ ሱራፉኤል’ውን ከምዝኸልከሎም ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲኣ ኣበባ ሓቢራ።

እቲ ኣብ ኬንያ ዝመደበሩ ማሕበር ካቶሊካውያን ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕርቂ ንምውራድ ዝዓለም ዘተ ንምክያድ’ዩ ምስ ክልትኤም መንግስታት ንምዝርራብ ተበግሶ ወሲዱ።

ብመሰረት ሓበሬታ ዘ ሪፖርተር፣ መንግስቲ ኤርትራ ንፕረዚደንት እቲ ማሕበር፣ ኣካርዲናል ብርሃነየሱስ ሱራፉኤል ናብ ኤርትራ ከይኣትዉ ዝኸልከሎም ኢትዮጵያ ብምዃኖም ጥራይ’ዩ።

እንተኾነ እቲ ማሕበር ብዛዕባ’ዚ ብዝምልከት ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን።

ካብ ዝምስረት ኣስታት 50 ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ማሕበር ካቶሊካውያን ጉባኤታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ንካቶሊካውያን ኣብያተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳ፣ ታንዛንያ፣ ዛምብያን ማላውን ዝሓቖፈ’ዩ።

እቲ ማሕበር ቅድሚ ዝተወሰነ ዓመታት’ውን ተመሳሳሊ ተበግሶ ብምውሳድ፣ ናብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ከምዝበጽሐ ምንጭታት ይጠቕሱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0