ማሕበረሰብ ዓለም ንጉዳይ ስደት ኤርትራውያንን ሓተትቲ ዑቕባን ግቡእ ኣቓልቦ ከይነፍጎም ጻውዒት ቀሪቡ

ማሕበረሰብ ዓለም ንጉዳይ ስደት ኤርትራውያንን ሓተትቲ ዑቕባን ግቡእ ኣቓልቦ ከይነፍጎም ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 29 October 2017

 sheyla_eseyasማሕበረሰብ ዓለም ንጉዳይ ስደት ኤርትራውያንን ሓተትቲ ዑቕባን ግቡእ ኣቓልቦ ከይነፍጎም ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብቲ ብሓሙስ ዕለት 26 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ተመዚዛ መጽናዕቲ ዘካየደት ሸይላ ኪታሩዝ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፣ ንፖለቲካዊ ጥቕሚ ተባሂሉ ብገለ ሃገራት ዝግበር ዘሎ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝምድና ናይ ምምሕያሽ ጻዕርታት፣ ንቀንዲ ጉዳይ ስደት ኤርትራውያን ይጎስይ ስለዘሎ፣ ኣቓልቦ ክግበረሉ ጸዊዓ።

ምምስራት ዝምድና ምስ መንግስቲ ኤርትራ ቁጽሪ ናብ ስደት ዘምርሑ ኤርትራውያን ንግዚኡ ከጉድል ይኽእል’ኳ እንተኾነ፣ ሕሱም ምልካዊ ምሕደራ መንግስቲ ኤርትራ ከይተመሓየሸ ግና ዝመጽእ ነባሪ ፍታሕ ክህሉ ከምዘይክእል ብተደጋጋሚ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ሸይላ ኪታሩዝ ኣብ መደረኣ፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ወላሓንቲ ለውጢ ከምዘየርኣየ፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ገና ብዘይ ናይ ግዜ ገደብ ይቕጽል ከምዘሎ፣ ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካል ዝኾነ ምልክታት ከምዘየለ፣ ናጻ ቤት ፍርዲ ከምዘይቆመ ብሰፊሑ ኣብሪሃ።

ኣብ ኤርትራ ብሃይማኖታዊ ይኹን ካልእ ፖለቲካዊ ዕላማ ናይ ምእካብን ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽን መሰል ስለዘየለ፣ ዜጋታት ካብ መንግስቲ ብዝወርዶም ምፍርራህ ብራዕዲ ይነብሩ ከምዘለዉ ድሕሪ ምግላጽ፣ እታ ፍልይቲ ልእኽቲ፣ ንስልጣንን ዕማማትን መንግስቲ ብንጹር ኣቐሚጡ ዝቆጻጸርን ዝከታተልን ኣካል ብዘይምህላዉ፣ ህዝቢ ውሕስነት ኣብ ዘይብሉ ሃዋሁ ይነብር ከምዘሎ ዘርዚራ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ኤርትራውያን ግዳያትን፣ ስድራቤት ግዳያትን፣ ኣብ ነብሶም ኮነ ኣብ ስድራቤቶምን መቕርቦምን ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወረዶም በደል ብምግላጽ ቃል ምስክርነቶም ሂቦም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0