ኣብ ከተማ ናይሮቢ ብዝተላዕለት ናዕቢ ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም

ኣብ ከተማ ናይሮቢ ብዝተላዕለት ናዕቢ ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም

Radio Erena: 29 October 2017

adma nayrobiፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ስዒቡ ዝተላዕለ ናዕቢ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት’ታ ሃገር ገና ይቕጽል ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣረዲኡ።

ኣብ ናይ ምርጫ ዕለት ሓሙስ 26 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ብዝተላዕለ ናዕቢ፣ ቁጽሮም ገና ብወግዒ ዘይተነግረ ሓያሎ ሰባት ቆሲሎም ከምዘለዉ ይግለጽ።

ንመራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ ዝድግፉ ናዕበኛታት ምስ ፖሊስ ኣብ ግጭት ድሕሪ ምእታዎም ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ነቶም ናዕበኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተጠቕሙ ተሓቢሩ።

ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ፣ ብሰንኪ’ቲ ዝተላዕለ ናዕቢ፣ ኣብ ገለ ከባቢታት ናይሮቢ ናይ መድመጺ ንቑጣታት ከምዝዕጸዋ ስለዝገበረ፣ ንከድምጽ ዝተመዝገበ ህዝቢ ገና ኩሉ ድምጹ ከምዘይሃበ’ዩ ዝግለጽ።

ብራይላ ኦዲንጋ ዝምራሕ ተቓዋሚ ሰልፊ፣ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናዕቢ ብእዋኑ ጠጠው ከምዘይብል፣ ኣባላት ኮሚሽን ምርጫ ከይተቐየሩ ከኣ ናጻን ርትዓዊን ምርጫ ክካየድ ኣይክእልን እዩ ክብል ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ብሓሙስን ዓርቢ’ውን ቀጺሉ ዝወዓለ ናዕቢ፣ ኣብ ገለ ዞባታት ከተማ ናይሮቢ፣ ናዕበኛታት ናይ ንግዲ ኣባይቲ ከቃጽሉን ክዘምቱን ብምጅማሮም ንግዳዊ ንጥፈታት ደስኪሉ ከምዘሎ ጸብጻባት ካብታ ከተማ የመልክቱ።

ፕረዚደንት ኬንያታ ደጊሙ ከምዝዕወት ንደገፍቱ ይገልጽ’ኳ እንተሎ፣ ብሰንኪ ናዕቢ ናይ መድመጺ ነቑጣታት ስለዝተዓጽወ፣ እኹል ድምጺ ክርከብ እንተዘይክኢሉ፣ ወግዓውነት ናይቲ ውጽኢት ሕጂ’ውን ተቐባልነት ክህልዎ ከምዘይክእል ፖለቲከኛታት ትንታነታቶም ይህቡ።

 

=============================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0