ማሕበረሰብ ዓለም፣ ንመንግስቲ ሱዳን ዝገብሮ ሓገዝ ደው ከብል፣ ህዝቢ ሱዳን ጸዊዑ

Radio Erena: 12 December 2021
ማሕበረሰብ ዓለም፣ ንመንግስቲ ሱዳን ዝገብሮ ሓገዝ ደው ከብል፣ ህዝቢ ሱዳን ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብዚ ብተኸታታሊን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት፣ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ብሓይሊ ብረት ስልጣን ሒዙ ዘሎ መንግስቲ ሓገዝ ምሃብ እንተቐጺሉ፣ ነቲ ብዕልዋ ንዝሓዞ ስልጣን ባርኾት ምሃብ ማለት’ዩ ዝብል ጭርሖታት ይቃላሕ ኣሎ።
ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝመርሑ ዘለዉ ማሕበራት ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንመንግስቲ ሱዳን ዝግበር ሓገዝ፣ ነቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሓይሊ ዝህብ እምበር፣ ህዝቢ ሱዳን ዝረብሓሉ ኣይኮነን ኢሎም።
እዚ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዕልዋ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፣ ባንክ ዓለም 650 ሚልዮን ዶላር ሃብቲ ሱዳን ምስ ኣደስከሎ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን ዝለገሰቶ ናይ 700 ሚልዮን ዶላር ደው ምስ ኣበለቶ፣ ሚኒስተር ፋይናንስ ሱዳን፣ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ወዲቓ ምህላዋ ገሊጹ’ዩ።
ሰበስልጣን ኣመሪካ ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት፣ እዚ ኣልቡርሃንን ሓምዶክን ክምስርቱዎ ዝመያየጡሉ ዘለዉ መንግስቲ መዕለቢኡ ከይተፈልጠ ዝውሰድ ስጉምቲ ከምዘየለ፣ እንተኾነ ግና፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም መራሕቲ ጸቕጢ ንምፍጣር ነቲ ናይ 700 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክጥቀምሉ ከምዝኽእሉ ኣመልኪቶም።
ኣመሪካ ነዚ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደገፍ ክትገብር ምሕሳባ ጥራይ ኣዝዩ ዘጉህይ እዩ ዝብሉ ወደብቲ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ህዝቢ ሱዳን ንፍትሕን ደሞክራሲን ኢሉ ዘንቀሎ ህዝባዊ ኣብያ ብወተሃደራዊ ጉጅለ እንዳተጨውየ ሱቕ ክትብል ፍትሓዊ ኣይኮነን ክብሉ መረረኦም የስምዑ ኣለዉ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0