ማላዊ 100 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ቀይዳ

ማላዊ 100 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ቀይዳ

Radio Erena: 27 November 2014

100 Ethi In Mala

ብመንገዲ ታንዛናያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ማላዊ ዝኣተዉ ኣስታት ሓደ ሚእቲ ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ንያሳ ታይምስ ኣፍሊጡ።

እቶም ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ የምርሑ ከምዝነበሩ ዝተጠቕሱ ኢትዮጵያውያን፣ ኣብቲ ንታንዛንያን ማላውን ዘዳውብ ካሮንጋ ዝተባህለ ከባቢ ከምዝተታሕዙ ዝሓበረ ኣፈኛ ፖሊስ እቲ ዞባ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ዘስግርዎም ዝነበሩ ሓሙሽተ ዜጋታት ማላዊ’ውን ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ኣፍሊጦም።

እቶም ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ክልተ መካይን ተጻዒኖም ጉዕዞም ንምቕጻል ኣብ ዝተዳለወሉ እዋን’ዮም ብምትሕብባር ነበርቲ ክተሓዙ ክኢሎም።

 

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ኢትዮጵያን ናብ ዓዶም ክምለሱ ዝልዓለ ተኽእሎ ምህላዉ’ውን ተገሊጹ።

ብመንገዲ ኬንያ ታንዛንያ፣ ማላዊ፣ ሞዛምቢክ ወይ ከኣ ብኬንያ ታንዛንያ ዛምብያ ዚምባብዌ ዶባት እናቛረጹ ናብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ዝውሕዙ ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ቁጽሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይንህር ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

በዚ መንገዲ’ዚ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተዉ ኣስታት 50 ሽሕ ዝግመቱ ኢትዮጵያውያን ከምዘለዉ ንጸብጻብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምጥቃስ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት -IMO ምግላጹ ኣይርሳዕን።
=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0