ማሊ፣ ብዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ን3 ዓመታት ከም መሰጋገሪ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ከምዝደሊ ተገሊጹ

Radio Erena: 25 August 2020

ብምርጫ ናብ ስልጣን ንዝመጸ ፕረዚደንት ብዕልዋ ዝኣለየ ወትሃደራዊ ጉጅለ ማሊ፣ ከም መሰጋገሪ ንሰለስተ ዓመታት ዝጸንሕ ወትሃደራዊ መንግስቲ ክምስርት ከምዝደሊ ተገሊጹ።

እቲ ጉጅለ፣ ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ እንተኽኢሉ፣ ኣሲርዎ ንዘሎ ፕረዚደንት ኢብራሂም ቡባከር ከይታ ክፈትሖ ከምዝኽእል ኣተንቢሁ።

እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ነዚ ዘተንብሀ፣ ምስ ወኪል ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ- ኤኮዋስ ኣብ ዝተዘራረበሉ’ዩ።

ብፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር፣ ጉድላክ ዮናታን፣ ዝተመርሐ ወኪል ኤኮዋስ፣ ብ23ን 24ን ነሓሰ’ዩ ምስቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ዕጹው ዘተ ኣካይዱ።

ኣብቲ ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ዘተ፣ እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ካብ ዝቐረበሉ ነጥብታት፣ ሕድገታት ክገብር ከምዝተሰማምዐ ኣፈኛኡ፣ ኮለነል እስማዒል ዋግ ጠቒሱ።

እንተኾነ፣ እቲ ልኡኽ ኤኮዋስ፣ ብወትሃደራዊ ጉጅለ ንዝቐረበ ናይ መሰማምዒ ነጥብታት ንኹሉ ከምዘይተቐበሎ ዲፕሎማሰኛታት ኣንፊቶም።

ናብ ስምምዕ ዝቐረበ ነጥብታት ብዝርዝር እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ ተኣሲሩ ዘሎ ፕረዚደንት ብዝቀልጠፈ ክፍታሕን ስልጣን ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ክሰጋገርን ዝብል ነጥብታት ከምዝርከቦ ተመልኪቱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0