ማሊዥያ፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት ወትሃደራዊ ንዋት ብምሻጥ ዝተኸሰሰ ኩባንያ ክትዓጽዎ ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 01 March 2017

Malysia

ብመሸጣ ወትሃደራዊ ንዋት ተጠርጡሩ ዘሎ ኣብ ማሊዥያ ዝርከብ ምስ ሰሜን ኮርያ ምትእስሳር ዘለዎ ክልተ ክልተኩባንያታት ክዕጾ ምዃኑ ኣዛዚ ፖሊስ ማሊዥያ ኣፍሊጡ።

ሓደ ካብቲ ኣብ ማሊዥያ ዝርከብ ምስ ሰሜን ኮርያ ምትእስሳር ዘለዎ ኩባንያታት፣ ግሎኮም ዝተባህለ ኮይኑ፣ ወትሃደራዊ መራኸቢታት ዘፍር’ዩ።

እቲ ኩባንያ፣ ማእከል ናይቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝንቐሳቐስ መሓውር ስለያ ሰሜን ኮርያ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት ወትሃደራዊ ንዋት ብምሻት’ዩ ተኸሲቱ ዘሎ።

ማሊዥያ ብጉዳይ ቅትለት ሓዉ ንመራሕቲ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ምስታ ሃገር ኣብ እትሰሓሓበሉ ዘሎ እዋን፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ኣብ ማሊዥያ ብዝርከብ ኩባንያኣ ኣቢላ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት ወትሃደራዊ ንዋት ብምሻጥ፣ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ ኣህጉራዊ እገዳ ትጥሕስ ምህላዋ ወቒሱ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፣ ዋንነቱ ናይ ሰሜን ኮርያ ዝኾነ፣ ኣብ ማሊዥያ ዝርከብ ኩባንያ ግሎኮም ዘፍረዮ ኣስታት 45 ባኮታት ዝመልአ ወትሃደራዊ ሬድዮ ርክባት፣ ናብ ኤርትራ እናምርሐ’ዩ ከምዝተታሕዘ’ዩ ሕቡራት ሃገራት ዝገልጽ ዘሎ።

እቲ ኣብ ማሊዥያ ዝመደበሩ ኩባንያ፣ ምስ ክፍሊ ስለያ ሰሜን ኮርያ ምትእስሳር ዘለዎ ኮይኑ፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝካየድ ናይ ባንክ ሕሳባትን መሸጣ ወትሃደራዊ ንዋትን ሰሜን ኮርያ ዘሳልጥ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ማሊዥያ፣ ስለያ ሰሜን ኮርያ ኣብ ክሊ ዕድመ 40ታት ዝርከብ ኪም ጆን ናም ንዝተባህለ ሓዉ መራሒ ንሰሜን ኮርያ፣ ብሰኑይ 13 ለካቲት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኳላ ሉምፑር ሰሚሞም ከምዝቐተልዎ’ያ ትገልጽ ዘላ።

እዚ ናይ ቅንጸላ ስርሒት ምዃኑ እትገልጾ ዘላ ቅትለት ሓዊ ንመራሒ ሰሜን ኮርያ፣ በዘን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ክልተ ኩባንያታት ሰሜን ኮርያ ዝተማእከለ ክኸውን ከምዝኽእል እትገልጽ ዘላ ማሊዥያ፣ ነተን ኩባንያታት ንምዕጻወን ወሲና ኣላ።

ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ተነቢሩለን ዘሎ ኤርትራን ካብ ሰሜን ኮርያ፣ ስምምዕ መሸጣ ወትሃደራዊ ንዋት ምክያደን ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝውቀሳሉ ዘለዋ እዋን፣ ዝኾነ ወግዓዊ ምላሽ ኣይሃባሉን።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0