ፕረዚደንት ጅቡቲ፣ ኣብ ፈረንሳ ናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ ይፍጽም

Radio Erena: 01 March 2017

G and H

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ትማሊ 28 ለካቲት ፓሪስ ኣትዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደቱ ብዘይካ’ቲ ምስ ፕረዚደንት ፍራንስዋ ኦላንድ ዘካይዶ ዘተ፣ ምስ ኣባላት ባይቶ ፈረንሳ፣ ነጋዶን ኣውፈርትን ክዘራረብ’ዩ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ ኣብ ፈረንሳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም፣ ድሕሪ 10 ዓመታት ንመጀመርያ እዋኑ ምዃኑ ዝሓበረት ጋዜጣ ዥን ኣፍሪክ፣ እዚ ድማ ፈረንሳ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበራ ኣተኩሮ ብመጠኑ ከምዝጎደለ ዝእንፍት’ዩ ክትብል ገሊጻ።

ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ብዙሕ ተገዳስነት ከምዘይብሉ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንስዋ ኦላንድ፣ ካብ ስልጣን ክእለ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ግዜ’ዩ፣ ንፕረዚደንት ጅቡቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት- ኤሊዘ ዓዲምዎ ዝዓደሞ።

ፕረዚደንት ጉለ ፓሪስ ቅድሚ ምእታዉ፣ ብርክት ዝበሉ ተቓወምቲ እታ ሃገር፣ ንዑደት እቲ ፕረዚደንት ናብ ፈረንሳ ዝዅንን ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ፈረንሳ፣ ሓይሊ ባሕሪ ዘጠቓለለ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ኣብ ጅቡቲ ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ተገዳስነት ፈረንሳ ኣብቲ ዞባ እናዛሕተለ ኣብ ዝመጸሉ እዋን መዓስከራት ኣመሪካ፣ ቻይና፣ ጃፓን፣ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ከስፋሕፍሕ ይርአ ኣሎ።

ብሞግዚትነት ፈረንሳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝቖመት ጅቡቲ፣ ካብ 53 ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ዝበዝሐ ወትሃደራዊ መዓስከር ወጻኢ ሃገራት ዘለዋ ሃገር’ያ።
================

COMMENTS

WORDPRESS: 0