ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ኣብ ዕጹው ተዘራሪቦም

ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ኣብ ዕጹው ተዘራሪቦም

Radio Erena: 15 February 2018

 ghandouሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶር ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን ዕጹው ርክብ ከምዘካየደ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ- ኣናዶሉ ሓቢሩ።

እቲ ብሰሉስ 13 ለካቲት ኣብ ከተማ ኢስታንቡል ዝተኻየደ ዕጹው ዘተ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳንን ፕረዚደንት ቱርኪን ዘተኮረሉ ዛዕባ ኣይተገልጸን።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ቱርኪ ይኹን መንግስቲ ሱዳን ብዛዕባ’ቲ ዕጹው ዘተ ብዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘይሃብሉ፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ክልቲኤን ሃገራት ዝኸተምኦ ስምምዕን ዝፈጠሮ ዞባዊ ጽልዋን ከምዘተኮረ ሓያሎ ተንተንቲ ግምታቶም ይህቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፣ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶዋን ናብ ሱዳን ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ምስ ፕረዚደንት በሺር ብምርኻብ፣ ንወደብ ሱዋኪን ንምብርባርን መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ንምህናጽን ዝርከብዎም 12 ስምምዓት ከምዝኸተመ ይዝከር።

እዚ ኣብ ታሪኽ ዝምድና ሱዳንን ቱርኪን ናይ መጀመርያ ዝኾነ ምብጻሕ ፕረዚደንት ጣይብ ኤርዶዋንን ምኽታም ወትሃደራውን ቁጠባውን ምትሕግጋዝ እዘን ክልተ ሃገራትን፣ ንግብጺን ስዑዲ ዓረብን ጸጥታዊ ስኽፍታ ከምዝፈጠረለን ተንተንቲ የረድኡ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0