ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝበዝሐ ከባቢታት ክልል ኦሮሞያ ናዕብን ሰለማዊ ሰልፍታትን ይቕጽል

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝበዝሐ ከባቢታት ክልል ኦሮሞያ ናዕብን ሰለማዊ ሰልፍታትን ይቕጽል

Radio Erena: 15 February 2018

 ethio unresኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ክልል ኦሮሞ ናዕብን ሰለማዊ ሰልፍታትን ይቕጽል ኣሎ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዳግም ተጎሃሂሩ ዘሎ ናዕብን ሰልማዊ ሰልፍታትን፣ ዛጊት ቁጽሮም ብንጹር ዘይተፈልጠ ሰባት ክሞቱን ክቖስሉን እንከለዉ፣ ኣብ ንብረት’ውን ከቢድ ዕንወት ወሪዱ።

ኣብ ሓያሎ ከተማታት እቲ ክልል ዝርከብ መንግስታውን ብሕታውን ትካላት’ውን ተዓጽዩ ምህላዉ ይግለጽ።

ብሰንኪ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ፣ ናብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ናብ ክልል ዓፋርን ጎረቤት ሃገር ጅቡትን ዝወስድ መንገድታት ተዓጽዩ ይርከብ።

ብፍላይ እቲ ንኢትዮጵያን ጅቡትን ዘራኽብ መስመር ኣብ ሓደጋ ምውዳቑ፣ ንቁጠባ ኢትዮጵያ ክሓንቕ ከምዝኽእል’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ህዝቢ ከባቢታት ክልል ኦሮሞ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍን ናዕብን ዘካይድ ዘሎ፣ እቲ መንግስቲ ንመብዛሕትኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሒዝዎም ዝጸንሐ መራሕቲ ሰልፍታት ኦሮሞ፣ ጋዜጠኛታትን ናይ ፖለቲካ እሱራትን ብምሕረት ኣብ ዝፈትሓሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ካብ 2015 ኣትሒዙ ጸጸኒሑ ብዝነቱግ ዘሎ ናዕብን ተቓውሞታትን ህዝቢ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት ከምዝርከብ ዲፕሎስያውያን ምንጭታት ይገልጹ።

========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0