ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ናይ ፖለቲካ እሱራት ዘለዎ ኣተሓሕዛ ቅኑዕ’ዩ ኢላ

ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሃሽም፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ናይ ፖለቲካ እሱራት ዘለዎ ኣተሓሕዛ ቅኑዕ’ዩ ኢላ

Radio Erena: 12 November 2014

Fow

ሚኒስተር ፍትሒ ፎውዝያ ሓሽም ኣብ ሪያድ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ዘካየደቶ ኣኼባ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ናይ ፖለቲካ እሱራት ንዘለዎ መርገጺ ንዝሃበቶ ርእይቶ ተቓውሞ ከምዝገጠማ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ሪያድ ሓቢሮም።

እታ ሚኒስተር፣ ብዛዕባ ብገበን ዝተኸሰሰ ገበነኛ ምዃኑ ዘይተረጋገጸ ሰብን ኣብ ኣብ ዓይኒ ሕጊ ዘሎ ኣመለኻኽታን ኣመልኪቱ ኣብቲ ኣኼባ ካብ ዝተረኽቡ ኤርትራውያን ንዝቀረበላ ሕቶ ምላሽ ኣብ ዝሃበትሉ፣ ገበነኛ ምዃኑ ብሕጋዊ መንገዲ ዘይተረጋገጸ ሰብ ካብ ገበን ነጻ’ዩ ንዝብል መሰረታዊ ኣምር ሕጊ ኣብ ኤርትራ ከምዘይሰርሕ ብምጥቃስ፣ ብገበን ዝተጠርጠረ ሰብ ናጻ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ክእሰር ከምዘለዎ’ያ ገሊጻ።

 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ዘሰሓሕቡ ጉዳያት ሕብረተሰብ ብኮማዊ ቤት ፍርዲ ክፍትሑ ዝብል ተሪር መርገጺ ከምዘለዎ ዘመልከተት እታ ሚኒስተር፣ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ፍጻሜ ምስ ዝኽሰት ግና፣ ዝተፈልየ ኣተሓሕዛ ምኽታል ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለም’ውን ዝስርሓሉ ምዃኑ’ያ ከተረድእ ፈቲና።

እዚ በታ ሚኒስተር ዝቐረበ መደረ፣ ንሓያሎ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣብ ርያድ ዝተኻየደ ኣኼባ ከምዘስደመመ ዝሃበሩ ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ ፍትሒ ኣብ ዘይብላ ሃገር ንልዕሊ 10 ዓመታት ሚኒስተር ፍትሒ ኮይና ዘገልገለት ፍውዝያ ሓሽም፣ ከምቶም ቅድሚኣ ዝነበሩ ብጾታ ንሳ’ውን ሓደ መዓልቲ ግዳይ ናይቲ ፍትሓውን ሕጋውን ዘይኮነ መስርሕ ምዃኑ ዘይተርፍ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

እታ ሚኒስተር ኣቐዲማ ኣብ ጀዳ’ውን ተመሳሳሊ መግለጺ ሂባ’ያ።

ኣብ ኤርትራ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነበረ፣ ጋዜጠኛታት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ዝተፈላለየ ሞያ ዝነበሮምን ኣሽሓት ዜጋታት ብዘይዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐዩ ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0