ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ልዕሊ 22 ሽሕ በጺሑ

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ልዕሊ 22 ሽሕ በጺሑ

Radio Erena: 12 November 2014

Eri swi

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ስዊዘርላንድ እብዚ ዓመት’ዚ ልዕሊ 22 ሽሕ ከምዝበጽሐ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብ 2004 ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን 1700 ጥራይ ዝነበረ፣ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ናብ ልዕሊ 22 ሽሕ ምድያቡ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ምህላዉ’ውን እተን ማዕከናት ዜና ጠቒሰን።

ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመተ 2013 ብምንጽጻር’ውን ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ብኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዛይዱ ምህላዉ ዝሓበረ ጸብጻብ መደበር ቴሌቪዥን RTS ከኣ ጠንቒ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ምዃኑ ሓቢሩ።

 

ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ኣዳላዊ ዜና ወጻኢ ዝነበረ ጋዜጠኛ ሚኒስትሪ ዜና ዓወት ኣረጋይ ምስታ መደበር ቴሌቪዥን ኣብ ዘካይዶ ቃለ መጠይቕ፣ ከም ጋዜጠኛ ብናጽነት ክሰርሓሉ ዝክእል ዕድል ክረክብ ብዘይምኽኣሉን ውሕስነት ስለዘይተሰምዖን፣ ናብ ስደት ከምርሕ ከምዝኸኣለ ገሊጹ።

ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ኮይኑ፣ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር ኣብ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ክውሰድ ዘለዎ ስጉምታት ዝተፈላለየ ርእይቶታት ክህብሉ ይስምዑ ኣለዉ።

ስዊዘርላንድ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናዛየደ ይመጽእ ብምህላዉ፣ ነዚ ዋሕዚ’ዚ ንምግትኡ ዝተፈላለየ መደባት ንምትእትታው ትሰርሕ ምህላዋ’ዩ ዝሕበር።

ብኢጣልያ ኣቢሎም ናብታ ሃገር ንዝኣተዉ ኣምኢት ኤርትራውያን ናብ ኢጣልያ ክትመልስ ጀሚራ ምህላዋ’ውን ይጥቐስ።

ሃገራት ኤውሮጳ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ብቀጻሊ ዝዛረባሉ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

==============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0