ሚኒስተር ፋይናንስ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ፈረንሳ ናብ ኢትዮጵያ በጺሑ

Radio Erena: 23 July 2019

ብሚኒስተር ፋይናንስ ብሩኖ ለ መየር ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ፈረንሳ፣ ብሰኑይ 22 ሓምለ ናብ ኢትዮጵያ በጺሑ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ፣ ኣብ ምትሕግጋዝን ወፍርን ዘተኮረ ውዕላት ከቲሙ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣገልግሎት ቴሌኮሚኒኼሽን ዝርከቦ ሓያሎ ጽላታት እታ ሃገር ናብ ናይ ወጻኢ ወፍርታት ከሰጋግሮ ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ።

ሓደ ካብ ዓርሞሽሽ ኩባንያታት ቴሌኮሚኒኬሽን ዓለምና ዝኾነ ፈረንሳ ትካል “ኦራንጅ” ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ትካል ቴሌኮም ንምውናን ድሌታት ከምዘለዎ’ውን ዝተፈላለዩ ምንጭታት ቢስነስ ይእንፍቱ።

ኣቐዲሙ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ናብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ ዝበጽሓሉ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ፕሮጀክታት ዝውዕል ናይ 100 ሚልዮን ሓገዝ ንኢትዮጵያ ከምዝተመባጽዐ ይዝከር።

ብዘይካ’ዚ ፈረንሳ፣ ሓይሎ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንምቛም፣ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ይፍለጥ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0