ሶማልያ፣ ብዝተፈንጀረ ቦምብ 17 ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 23 July 2019

ኣብ ሶማል ከተማ ሞቛድሾ፣ ጥቃ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ብዝተፈጸመ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ ብውሕዱ 17 ሰባት ከምዝሞቱን 28 ድማ ከምዝቖሰሉን ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣልሸባብ፣ ነቲ ትማሊ ሰኑይ 22 ሓምለ፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲድሉ ኣሎ።

12 ካብቶም ካብቶም ቆሲሎም ኣብ ማዲና ዝርከብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ዘለዉ ሰባት፣ ኣብ ናይ ሞትን ህይወትን ኩነታት ከምዘለዉ ዳይረክተር ናይቲ ሆስፒታል መሓመድ ዮሱፍ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0