ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰላት መግለጺ ሂቡ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፣ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰላት መግለጺ ሂቡ

Radio Erena: March 4, 2014

Geneve

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝርከብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ መብርሂ ከምዝሃበ ምንጭታት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘካየዶ ዓመታዊ ገምጋም ሃገራት፣ ኤርትራ ካብተን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣዳም ከቢድ ሰብኣዊ መሰላት ዝግህሳ ሃገራት ምዃና ደጊሙ ከምዘረጋገጸ ዝዝከር’ዩ።

ኣብቲ ኣኼባ ብኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ዝቐረበ መብርሂ፣ ብጉባኤኛታት ተቐባልነት ከምዘይነበሮ፣ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ድማ ንመንግስቲ ኤርትራ ብምንቓፍ፣ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታቱ ከኽብርን’ውን ተማሕጺኖም።

 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኽተሎ ፖሊስን፣ ነዚ ዝሓለፈ 10 ዓመት ዘጋጠሞ ዞባውን ኣህጉራውን ተነጽሎታት ንምሕዋይ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ የካይድ ከምዘሎ ዝፍልጥ ኮይኑ፣ እዚ ናይ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕዑደት ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት’ውን መቐጸልትኡ ምዃኑ ንኩነታት ኤርትራ ብዕምቖት ዝከታተሉ ወገናት ይገልጹ።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትር ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሩስያ ድሕሪ ዘካየዶ ዑደት’ዩ፣ ብዛዓብ ኤርትራ መብርሂ ንምሃብ ትማሊ ኣብ ጄኔቫ ናብ ዝርከብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዘምርሐ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ከም ኣባል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ጉዳዩ ክስማዕን መብርሂ ክህበሉን መሰሉ እኳ እንተኾነ፣ እቲ መንግስቲ ግና ንዲፕሎማስያዊ ዘመተ ጥራይ እንተዘይኮይኑ ብግብሪ ዘመሓየሾ ኩነታት ሰብኣዊ ሰመላት ከምዘየለ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይነቕፉ።
=================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0