ፕሮፌሽናል ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራት ዓቢ ቖላሕታ ይረኽቡ

ፕሮፌሽናል ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ውድድራት ዓቢ ቖላሕታ ይረኽቡ

Radio Erena: March 4, 2014

merhawi

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፣ ዓበይቲ ኣህጉራዊ ቅድድማት ብዓብላልነት ይመርሑ ምህላዉ ማዕከናት ዜና ስፖርት የቃልሓ።

ድሕሪ’ቲ ብናትናኤል ብርሃነ ዝተሰርሐ ቅያ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ላ ትሮቢካል ኣምሳ ቦንጎ፣ ኣብ ማሊዥያ ክካየድ ኣብ ዝቐነየ ዙር ላንካዊ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለት ኤምቲኤን ኩቤካ ዝተጸንበረ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ድማ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ኣቃልቦ ስሒቡ ይርከብ።

መርሃዊ ቅዱስ፣ ኣብዚ ዓበይቲ ተቐዳደምቲ ዝተሳተፍዎ ዙር ላንካዊ፣ ብኢራናዊ ጎላኩር ጥራይ ተቐዲሙ’ዩ ካልኣይ ብምዃኑ ብልዑል ብቕዓት ውድድሩ ዛዚሙ።

ጎኒ’ ጎኒ’ዚ ድማ፣ ኣብ ፕሮፌሽናል ቅድድም ብሽክለታ ክብረ ወሰን ሒዙ ዝርከብ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝጅምር ዙር ፈረንሳ 2014 ክሳተፍ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣካያድቲ ዩሮፕ ካር ገሊጾም።

 

ኣባል ፈረንሳዊት ክለት ዮሮብ ካር ዝኾነ ናትናኤል ብርሃነ፣ ተዓዋቲ ዙር ቱርኪን ኣምሲ ቦንጎን’ዮ።

ናትናኤል፣ ኣብ ጋቦን ኣብ ዝተኻየደ ዙር ኣሚሶ ቦንጎ ምዕዋቱ፣ ነቲ ብጸዓዱ ጥራይ ዝዕብለል ዝነበረ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለት ብምስዓር ናይ መጀመርያ ኣፍሪቃዊ ብምዃን፣ ስም ኤርትራን ኣህጉር ኣፍሪቃን ከጸውዕ ክኢሉ’ዩ።

ዝበለጸ ስፖርትኛ ኣህጉር ኣፍሪቃ ተባሂሉ ዝተዓወተ ናትናኤል ብርሃነ፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝጅምር ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፈረንሳ 2014 ናይ ምስታፍ ዕድል እንተረኺቡ ድማ፣ ኣብዚ ብደረጃ ዓለም ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረኣ ዝስራዕ ቅድድም ዝተሳተፈ ቦኽሪ ኤርትራዊ ኮይኑ ክብረ ወሰን ክሕዝ’ዩ።

ኣካየድቲ ስራሕ ክለብ ዩሮፕ ካር ብዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት፣ ኣብ ብቕዓት እቲ ወዲ 24 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ሓያል እምነት ኣሕዲሮም ከምዘለዉ ብምጥቃስ፣ ሎሚ ዓመት ኣብቲ ዝዓበየ ቅድድም ዙር ፈረንሳ ከሳትፍዎ መደብ ምሓዞም ኣሚቶም።

ኣብ ዙር ፈረንሳ 2014 ኣንተዘይተሳቲፉ ድማ ካብኡ ብዘይንእስ ዓበይቲ ተቐዳደምቲ ኣብ ዝወደደርሉ፣ ዙር ቮልታ ስጳኛ ክሳተፍ ምዃኑ ኣንፊቶም።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0