ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ኣብ ሱዳን ሃንደበታዊ ምብጻሕ ፈጺሙ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ኣብ ሱዳን ሃንደበታዊ ምብጻሕ ፈጺሙ

Radio Erena: 14 March 2018

qatar

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር መሓመድ ቢን ዓብዱራሕማን ኣልታኒ፣ ኣብ ሱዳን ሃንደበታዊ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ጋዜጣ ኣሻርቕ ኣልውሳጥ ሓቢራ።

እቲ ሚኒስተር ብ11 መጋቢት ናብ ካርቱም ድሕሪ ምእታው፣ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣል በሽር ብምርኻብ ዕጹው ዘተ ኣካይዱ።

ፕረዚደንት በሽርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠርን ዝተዘራረብሉ ዛዕባ እኳ እንተዘይተፈልጠ፣ እቲ ሚኒስተር ካብ ኣሚር ቀጠር ዝተላእከ ናይ ቃል መእልኽቲ ከምዘብጽሐ’ዩ ተሓቢሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣሚር ጋንዶር፣ ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ዕጹው ዝርርብ ንሱዳንን ቀጠርን ኣብ ዘገድስ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዘተኮረ ምንባሩ ጠቒሱ።

ብመሰረት መግለጺ እቲ ሚኒስተር፣ ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ ዝጋባእ ሓባራዊ ኮሚተ ንፖለቲካዊ ዘተ ከቑማ ተሰማሚዐን።

ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ ቀጠርን ብስዑዲ ዝተመርሓ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ዝተፈጥረ ምፍሕፋሕ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ናብ ሱዳን ክበጽሕ እዚ ንፈለማ እዋኑ’ዩ።

ሱዳን ምስ ቀጠር ዘለዋ ዝምድና ክትበትኽ ብስዑዲ ዓረብ ቀጻሊ ጸቕጢ ክግበረላ እኳ እንተጸንሐ፣ እታ ሃገር ጸግዒ ከምዘይትሕዝን፣ ብምርግጋጽ፣ ኣብ መንጎ ቀጠርን ስዑዲ ዓረብን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ብዘተን ዕርቂን ክፍታሕ’ያ ጸዊዓ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኤርትራን ጅቡትን ምስ ስዑዲ ዓረብ ክውግና እንከለዋ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልያን ሱዳንን ግና ምስ ዝኾነት ሃገራት ጸግዒ ከምዘይሓዛ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0