ሚኒስተር ዑስማን፣ ኣብ እስራኤል ምስጢራዊ ዑደት ኣካይዱ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፣ ኣብ እስራኤል ምስጢራዊ ዑደት ኣካይዱ ናብ ኣስመራ ተመሊሱ። እቲ ሚኒስተር ኣብ እስራኤል ኣብ ዝጸንሓለን ኣርባዕተ መዓልታት፣ ምስ ሰበ ስልጣን እስራኤል ከምእተዘራረበ’ውን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም። እቲ ሚኒስተር፣ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ደገፍቲ መንግስቲ ዘተ ከካይድ ተወጢኑ እኳ እንተነበረ፣ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ግና ምስ ውሑዳት እሙናት ደገፍትን ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራን ጥራይ ከምዝተመያየጠ’ውን ተፈሊጡ። መንግስቲ ኤርትራ ንመገሻ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ናብ እስራኤል ብምስጢር ዝሓዘሉ፣ ደለይቲ ለውጢ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ኣንጻሩ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከይውድቡ ምዃኑ’ውን ዝተወከስናዮም ሓደ ሓደ ወገናት ትንታነታቶም ሂቦምሉ። እቲ ሚኒስተር ኣብቲ ብ29 30 ሕዳር ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራ ኤርትራ ከምዘይተሳተፈን፣ ብምስጢር ናብ እስራኤል ጌሹ ምህላዉን’ውን ሬድዮ ኤረና ኣቃሊሓቶ’ያ። ካብቲ ናይ እስራኤል ሚስጢራዊ ዑደቱ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብ ኣስመራ ዝተመልሰ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፣ ኣብቲ ብ3 ታሕሳስ ዝቀጸለ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራ ድሕሪ ምስታፉ፣ ነቲ ካብ 18 ኣባላቱ 11 ጥራይ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት ናብ 12 ክብ ኣቢልዎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0