ሚኒስተር ኢምግሬሽን ነርወይ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከይገሹ ተጠንቕቕ

ሚኒስተር ኢምግሬሽን ነርወይ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከይገሹ ተጠንቕቕ

Radio Erena: 04 May 2016

lis

ኣብ ነወርይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከይገሹ መጠንቐቕታ ተመሓላሊፉ።

ብመሰትረ ኣብ ማዕከን ዜና ነርወይ ቱደይ ቀሪቡ ዘሎ ሓበሬታ፣ ሚኒስተር ኢምግሬሽን ሲልቪ ሊስቶግ ኣብ ዘመሓላለፈቶ መጠንቐቕታ፣ ናይ ነርወይ ዜግነት ዘለዎም ኤርትራውያን ብምኽንያት 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ናብታ ሃገር ዝገሹ ክህልዉ ከምዝኽእሉ ብምዝኽኻር፣ እቶም ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተዋህቦም ግና ናብ ኤርትራ እንተጌሾም ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ኣፍሊጣ።

ኣብ ኤርትራ ከብ ዘሎ ምልኪ ሃዲሞም ኣብ ነርወይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ክነሱ፣ ናብቲ ዝሃደምሉ ሃገር ተመሊሶም ክዛወሩ ሕጋውይን ቅቡልን ከምዘይኮነ’ውን እታ ሚኒስተር ኣስሚራትሉ።

 

ናብ ኤርትራ ዝገሹ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን ብመርትዖ ዝሰነደ ሰበ እንተሎ’ውን ናብ ክፍሊ ኢምግሬሽን ሓበሬታ ከመሓላልፍ ተማሒጽና።

ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተዋህቦም ኤርትራውያንን ብስም ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝወሰዱ ዜጋታት ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ነናብ ዓዶም ከይመላለሱ፣ መንግስቲ ነረወይ ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ንዝሓተቱ ኩሎም ዝዕደሎም ናይ መገሻ ሰነደ- Travel Document ናብዘን ሰለስተ ሃገራት ከይገሹ ዝኽልክል’ዩ።

እንተኾነ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ዝተዋህቦም፣ ብውልቃዊ ረብሓታት ዝተገዝኡ ኤርትራዉያን፣ ሜላታት እናተጠቕሙ ናብታ ዑቕባ ንኽወሃቦም ከም ሲኦል ዝገልጽዋ ሃገር ክምለሱ ይርኣ’ዮም።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0